ኣብ ቻይና ፋብሪካ ጫማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሓዊ 28 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2018፣ (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ደቡብ ምስራቕ ቻይና ኣብ ከተማ ጂንጂያንግ ኣብ ሓደ ፋብሪካ ጫማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሓዊ 28 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ ሓዊ ኣብ ህንፃ ሁይትንግ ፉትዌር ዝተፈጥረ ኮይኑ፣ እቲ ሓዊ ኣብ ዝተለዓለሉ እዋን ኣስታት 240 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኣብቲ ህንፃ ከም ዝነበሩ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ብዛዕባ እቲ ፍፃመ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ከቢድ ጉድኣት ከም ዘስዓበ ገሊፆም።

እቲ ሓዊ ብቕልጡፍ ንምቁፅፃርን ህፁፅ ስራሕ ምድሓን ህይወት ንምክያድን ልዕሊ 500 ክኢላታት ኣብቲ ቦታ ከም ዝተዋፈሩ ተገሊፁ።

እቶም ፕሬዚዳንት መንቀሊ እቲ ሓደጋ ብቕልጡፍ ክምርመርን፣ ነቲ ዝተፈጥረ ጉድኣት ሓላፍነት ዘለዎም ወገናት ድማ ብፅኑዕ ሕጋዊ ተሓታትነት ክወስድሎም ትእዛዝ ሂቦም ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብመልካም ፈቓዱ

 

Comments (0)
Add Comment