ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ጥዕና ካብ ቁፅሪ ሓሊፉ ሕብረተሰብ ብተግባር ተረባሒ ዝገበሩ ውፅኢታት ተመዝጊቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ጥዕና ካብ ቁፅሪ ሓሊፉ ሕብረተሰብ ብተግባር ተረባሒ ዝገበሩ ውፅኢታት ተመዝጊቦም ኢለን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ።

መበል 76 ጉባኤ ውድብ ጥዕና ዓለም ዞባ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ጥዕና ብፍላይ ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ሰፊሕ ስራሕቲ ተኻይዶም።

እቲ ጉባኤ ንኢትዮጵያ ዝሓሸ ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ ልዑል ዕድል እዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ደረጃ ሽፋን ኣገልግሎት ጥዕና ከም ዝተመሓየሸ ፀሪሐን።

እዞም ውፅኢታት ብቁፅሪ ካብ ምግላፅ ሓሊፎም ንሕብረተሰብ ብተግባር ተረባሕቲ ዝገበሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴዎድሮስ ኣድሓኖም ብቪድዮ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ እቲ ጉባኤ ብቐንዱ ኣብ ዘፈር ጥዕና ዘላቒ ፍልፍል ፋይናንስ ኣብ ምርግጋፅ ከም ዝዝቲ ጠቒሶም።

Comments (0)
Add Comment