ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 1 ሚልየን ተማሃሮ ተጠቀምቲ መርሃ ግብሪ ምገባ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 2019 ዓ.ም ልዕሊ 1 ሚልየን ተማሃሮ ተጠቀምቲ መርሃግብሪ ምገባ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ኤጀንሲ ምገባ እቲ ምምሕዳር ከተማ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ስንታየሁ ማሞ ንፋና ዲጂታል ከም ዝገለፁዎ፤ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንውፅኢት ትምህርቲ፣ ስነ-ምግባር፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ድሕነት ህፃናት ንምምሕያሽ ዘኽእሉ ሓፈሻዊ ስራሕቲ እናወገነ እንትኸውን፤ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ መርሃ ግብሪ ምገባ ሓደ እዩ።

ብዚ ድማ ኣብ 2019 ዓ.ም ልዕሊ 1 ሚልየን ተማሃሮ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ምገባ ንኽኾኑ ብዕቱብ ይስራሕ ከም ዘሎ ገሊፆም።

እዚ ንምዕዋት ድማ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንኣገልግሎት ምግቢ ምቹው ኩነታት ንምፍጣር፣ ቅድመ ምድላዋት መሰረተ ልምዓት፣ ከይዲታት ሕክምናዊ ምርመራ መገብቲ ኣዶታት፣ ከምኡ እውን ማዕቐፍ በጀት ምስንዳእ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣመልኪቶም።

እቲ መደብ መግቢ ብዘይካ ውፅኢት ተማሃሮ ንምምሕያሽ፣ ተማሃሮ ካብ ትምህርቲ ዝድንጉዩሉን ካብ ትምህርቲ ዝተርፉሉን ኩነታት ንምቕናስ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከም ዝገበረ ገሊፆም።

እቲ መርሃ ግብሪ ምገባ ንኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ ወለዲ ኣብ ምቕላል ዓብዪ ግደ ከም ዘለዎ ብምፅራሕ፣ ካብ 4 ሺሕ ክሳብ 6 ሺሕ ዝኾና ኣዴታት ዕድል ስራሕ ከም ዝተፈጠረለን እውን ኣብሪሆም።

መርሃ ግብሪ ምገባ ንመሰል ምርካብ ትምህርቲን ምግቢን ህፃናት ካብ ምርግጋፅ ሓሊፉ ንሓፈሻዊ ዕቤት ዜጋታት ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ኣፅንኦት ሂቦም።

ኣብ ከይዲ ምሃብ ኣገልግሎት ምገባ ብድሆታት ምኽባር ዋጋ ንምፅዋር መዳርግቲ ኣካላት ሓገዞም ንኸጠናኽሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብሶስና ኣለማየሁ

Comments (0)
Add Comment