ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምስ ሻዕቢያን ግብፂን ብምዃን ንኢትዮጵያ ወጊኡ እዩ – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብናይ ወፃኢ ታሪኻዊ ፀላእቲ እናተመርሐ ምስ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ሕብረት ብምፅንባር ንኢትዮጵያ ወጊኡ ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መናእሰይን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ህዝባዊ ዘተ ኣካይዶም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ከምዝገለፁዎ፤ መንግስቲ ፌደራል ንዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ተደጋጋሚ ትዕግስቲን ሰፊሕ ዕድላት ሰላምን ሂብዎ እዩ።

እንተኾነ ግን እቲ ጉጅለ መጥቃዕቲታት ብምፍፃም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክሕደት እናፈፀመ ከምዝፀንሐ ኣልዒሎም።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምስ ሻዕቢያን ግብፂን ብምዃን ንኢትዮጵያ ወጊኡ እዩ ብምባል፤ ታሪኻዊ ፀላእቲ ሓደ ጥምረት ብምፍጣር ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝገበሩዎ ፃዕሪ ናብ ክሳራ ኣእትዩ ከምዝተዛዘመ እውን ገሊፆም።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ዘተ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ብሓባር ክስረሐሉ ዝኽእል ኩነታት ምፍጣር ምዃኑ ብምሕባር፤ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዝተዋደደ ፃዕሪ ከምዘድሊ እውን ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ነበርቲ ከተማ መቐለ ብወገኖም፤ ድሌቶም ሰላም፣ ምርግጋእን ምዕባለን ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ዝተቛረፁ ኣገልግሎታት ክምለሱ፣ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ዳግም ክህነፁ፣ ንመናእሰይ ዕድላት ስራሕ ክፍጠሩን ዜጋታት ብሰላም ወፂኦም ብሰላም ክኣትዉን መንግስቲ ዝገብሮ ፃዕሪ ንኸጠናኽር ሓቲቶም።

ብፍላይ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ መሃያ ምኽፋልን ዝተጎድኡ መሰረተ ልምዓታት ዳግም ናይ ምህናፅ ስራሕ ምጅማሩን ንኢዶም።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመሮም ስራሕቲ ለውጢን ዳግመ ህንፀትን ኣጠናኺሩ ክቕፅሎም እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብግዛቸው ግርማዬ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment