ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምፍላይ ዝገበሮ ፃዕሪ ከምዘይተሳኸዐን ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፤ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መናእሰይን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ህዝባዊ ዘተ ኣካይዶም።
ዕላማ እቲ ዘተ ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ብሓባር ክስረሐሉ ዝኽእል ኩነታት ምፍጣር ኮይኑ፤ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዝተዋደደ ፃዕሪ ከምዘድሊ ተገሊፁ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝገለፁዎ፤ ትግራይ ኣካል ታሪኽን መንነትን ኢትዮጵያ እያ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምፍላይ ዝገበሮ ፃዕሪ ኣይተሳኸዐን፤ ኣብ መፃኢ እውን ፈፂሙ ኣይክሳኻዕን ኢሎም።
ህላወ ኢትዮጵያ ካብ ህላወ ትግራይ ተፈልዩ ዝረአ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ ትግራይ ኣብ ታሪኽ፣ ምስረታን ህላወን ኢትዮጵያ ዘለዋ ብፅሒት ዘይትካእ ምዃኑ እውን ኣመልኪቶም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ክልል ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምንፃል ዝተኸተሎ ኣካይዳ ከምዝፈሸለ ብምሕባር፤ እዚ ፈተነ ብፍፁም ከምዘይዕወት ገሊፆም።
ህዝቢ ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ታሪኻዊ፣ ናይ መንነትን ሃገራዊን ምትእስሳር ዘይብተኽ ምዃኑ ብምሕባር፤ እቶም ፈተነታት ታሪኽን ክውንነትን እታ ሃገር ከምዘይውክሉ ተዛሪቦም።
ብግዛቸው ግርማዬ