ኣብ ክልል ትግራይ ነጊሱ ዘሎ ህውከት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ኣኽራሪ ጉጅለ ነበር ህወሓት ዘስዓቦ ህውከት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ስግኣት ፀጥታ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ኢሎም ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ነበር ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣታኽልቲ ሃ/ስላሴ።
ኣታኽልቲ ሃ/ስላሴ ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፤ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝጀመረ ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቂ ምሉእ ብምሉእ ተግባራዊ ከይግበር ጉጅለ ነበር ህወሓት ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዝፀንሐ ሓቢሮም።
በዚ መንገዲ እቶም ዕጡቓት ናብ ሰላማዊ ህይወት ከይመፅኡ ፈተናታት ብምዃን ኣብ ውሽጢ ኲናት ክፀንሑ ዝገብር ስራሕ ከካይድ ምፅንሑ ኣብሪሆም።
እቲ ጉጅለ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ህዝቢ ዝረኸቦ ተስፋ ሰላምን ምርግጋእን ብልዑል ህውከት ክትካእ ገይሩ ኢሎም።
ኣብቲ ክልል ከም ትምህርት ቤትን ጥዕና ጣቢያን ዝኣመሰሉ መሰረተ ልምዓታት ካብ ግልጋሎት ወፃኢ ኮይኖም መሕብኢን መዕቆቢን ዕቃት ክኾኑ ምስርሑ ኣረዲኦም፡፡
እቲ ክልል ካብ ቀደሙ ፀገም ኢኮኖሚ ዝነበሮ እንትኾን፤ እቲ ዝተፈጠረ ተወሳኺ ሰብኣዊ ቅልውላው ድማ እቲ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ከምዝሳቐዮ ሓቢሮም።
ካብ ፌደራል መንግስቲን ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ትካላትን ናብ ህዝቢ ዝለኣኽ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ክንዲ ናብቲ ዝተሓሰበ ወገን ምብፃሕ ድሌት ውልቀ ሰባትን ዝተወሰኑ ጉጅለታትን ንምምላእ ይውዕል ከምዘሎ ኣብሪሆም።
እዚ ተግባር ኣብቲ ክልል ንዝርከቡ ህዝቢታት ከቢድ ፀገም የስዕብ ከምዘሎ ብምሕባር ዝምልከቶም ኣካላት ነቲ ፀገም ንምውጋድ ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣስሚሮምሉ።
ብበፀሎት መንገሻ
ኣብ ክልል ትግራይ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ነበር ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣታኽልቲ ሃ/ስላሴ ምስ ፋና ፖድካስት ዝገበርዎ ፃንሒት ንምክትታል እዙይ ይፅዓኑ፡- https://youtube.com/watch?v=9WijTjDkWgo&si=GaG22TukvGmLLIXG
See less
Comments (0)
Add Comment