ኣብ ክልል ትግራይ ንዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ዕጡቓት ዝተዳለዉ ማእከላት ተሃድሶ ዝርከቡለን ከባቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ ክንቀሳቐሱ ዝፀንሑ ዕጡቓት ኣፅዋራቶም ኣብ ቀረባኦም ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል ብምርካብ ናብ ዝተዳለዉ ማእከላት ተሃድሶ ክኣትዉ ኮሚሽን ሃገራዊ ተሃድሶ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
በዙይ መሰረት ንዕጡቓት ዝተዳለዉ ማእከላት ተሃድሶ ዝርከቡለን ከባቢታት ዝስዕቡ እዮም፡፡
ኣብ ዞባ ደቡባዊ ዝርከቡ ነበር ዕጡቓትን ኣመራርሓታትን- ኣብ ከተማታት ማይጨውን መኾኒን
ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ መቐለ ሓዊሱ ዝርከቡ – ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ መምርሒ ሰሜን እዚ
ኣብ ዞባ ምብራቓዊ ከባቢታት ዓዲግራት ዝርከቡ – ኣብ ከተማታት ዓዲግራትን ውቕሮን
ኣብ ዞባ ማእኸላይ ኣኽሱም፣ ዓድዋን ዓብዪ ዓዲን ሓዊሱ ዝርከቡ – ኣብ ከተማታት ዓድዋ፣ ኣኽሱምን ዓብዪ ዓዲን
ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ዝርከቡ ዕጡቓት – ኣብ ከተማ ሽረ ኣብ ዝርከብ ነበር ላዕለዋይ መምርሒ ማእኸላይ እዚ ብምቕራብ ሪፖርት ክገብሩ ይኽእሉ።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment