ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ሚስ ወርልድ 2026 ዝተወዳደረት ሩት ይርጋለም ኣቀባብላ ተገይሩላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ውድድር ሚስ ወርልድ 2026 ንኢትዮጵያ ወኪላ ዝተወዳደረት ሩት ይርጋለም ናብ ሃገራ እንትትምለስ ኣቀባብላ ተገይሩላ።

ሩት 30 ነሓሰ ኣብ ቬትናም ከተማ “ና ትራንግ” ኣብ ዝተኻየደ መበል 75 ውድድር ሚስ ወርልድ (Miss World 2026) ንኢትዮጵያ ብምውካል ዘበረታታዕ ጉዕዞ ምግባራ ይዝከር።

ድሕሪ እቲ ውድድር ሎሚ መዓል ናብ ሃገራ እንትትምለስ፤ ሓለፍቲን ሰብ ሞያን ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ኣቀባብላ ተገይሩላ።

ዝተፈላለዩ ባህሊታት ኢትዮጵያ ዘንፀባርቑ ክዳውንቲ፣ ገይፀመይፂን ናይ ባህሊ መደባትን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ብምውዓልን ብምልላይን፤ ሩት ይርጋለም ምስጢር ፅባቐ ሃገርና ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ከተላልይ ክኢላ።

ሩት ይርጋለም ኣብቲ ውድድር ዝነበራ ጉዕዞ፤ ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ብምሕሳብ ዝገበሩላ ሓገዝ ኣመስጊና።

Comments (0)
Add Comment