ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ እንሰርሖ ስራሕ ካብ ኩሎም ንላዕሊ እንኾርዐሉ እዩ -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝስርሑ ዘለው ስራሕቲ ካብ ኩሎም ንላዕሊ እንኾርዐሉ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) እዚ ዝበሉ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ 5ይ ዓመት ዘመን መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዘቕረብዎ ሕቶታት ምላሽን መብርህን ኣብ ዝሃቡሉ እዋን እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ መላእ ሃገር 35 ሽሕ መዋዕለ ህፃናት ትምህርቲ ምህናፅ ከም ዝተኻእለ ብምኽባር፤ እዞም ህታናት ድሕሪ 20 ዓመት ህልውና መፃኢ ኢትዮጵያ ክኾኑ እምነት ከም ዘለዎም ገሊፆም።

ካብ መሸጣ መፅሓፍ መደመር ዝተረኽበ እቶት ብምጥቃም ብቤት ፅሕፈት ቀዳመይቲ እመቤት 35 ሞዴል 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲታት ከም ዝተሰርሑ እውን ገሊፆም።

ብብዙሕ ኣሽሓት ዝቑፀሩ መጀመርታን 2ይ ብርኪን ቤት ትምህርቲታት ብስፍሓት ይህነፁ ከም ዘለዉ ኣረዲኦም።

ልዕሊ 30 ቢሊየን ብር እቶት ብምእካብ ኣብ ኩሎም ክልላት ሞዴል ቤት ትምህርቲታት እናተሃነፁ ከም ዘለዉ ኣመልኪቶም።

ካብ ታሕቲ ጀሚሩ ብጥንቃቐን ትኹረትን ንምስራሕ ብምውጣን ሰፊሕ ስራሕቲ ከም ዝተሰርሑ ዝገለፁ እንትኾን፤ ኣብ ደረጃ ሃገርን ኣፍሪካን ብፅሬቱ ቀዳማይ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ንምህናፅ ስራሕ ይካየድ ከም ዘሎ ተዛሪቦም።

ብመልካም ፍቃዱ

Comments (0)
Add Comment