ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሻንጋይ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 2026 ብደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ተዓዊታ፡፡
ኣትሌት ብርቄ ነቲ ርሕቐት 3 ደቒቕ 55 ሰከንድን 56 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብዓወት ዛዚማ፡፡
እታ ኣትሌት ክብረወሰን እቲ ውድድር ብምምሕያሽን ናይቲ እዋን ቅልጡፍ ሰዓትን ብምምዝጋብ ኢያ ክትዕወት ክኢላ፡፡
ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ 3 ደቒቕ 55 ሰከንድን 71 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው 2ይቲ ብምውፃእ ውድድራ ክትዛዝም ክኢላ፡፡
ኣብቲ ርሕቐት ዝተሳፈት ኣትሌት ወርቅነሽ መሰለ 4ይ ደረጃ ብመሓዝ ውድድራ ዛዚማ፡፡
ብደቂ ኣንስትዮ 5 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ድማ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ካብ 2ይ ክሳብ 8ይ ዘሎ ደረጃ ብመሓዝ ውድድሮም ክዛዝሙ ክኢሎም፡፡