ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝካየድ ፅዋዕ ዓለም 2026 ወዲ ሉካ ዚዳን ንኣልጀርያ ወኪሉ ክሳተፍ እዩ።
ኣቡኡ ዚነዲን ዚዳን ቅድሚ ሕዚ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ ወርቃዊ ዘመን የስተማቕር ነይሩ።
ዚዳን ዝብል ስም ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ንክረክብ ዝገበሮ ዚነዲን ዚዳን ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ ብዘሕለፎ ዕዉት ግዜ ንዓለም ኩዕሶ እግሪ ዘኹርዕ ኢዩ።
ኣብ ዋንጫ ዓለም 1998 ሃገሩ ንመጀመርታ ግዜ ሻምፕዮን ዝኾነትሉ ኮኾብ ኮይኑ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2006 ድማ ናይ መወዳእታ ደረጃ ዝሓዘ ተናሓናሒ ነይሩ።
ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ሓደ ካብቶም ዝበለፁ ተፃወትቲ ሓደ ዝኾነ ዚነዲን ዚዳን ዝኾነ ወዲ ሉካ ዚዳን ብኣንፃሩ ንሃገረ ኣቦታቱ ኣልጀርያ ክፃወት መሪፁ።
ብሙባርክ ፈንታው