ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ እቶም ሸሞንተ ጉጅለታት ዝተሰማምዑሎም ምኽረ ሓሳባት ንምንባብ፣ ንምጥዕዓምን ንምውዳድን ዝተጣየሸ ጉጅለ ስራሕቱ ኣጠናኺ ይቕፅል ኣሎ ኢሉ።
ነፍሲ ወከፎም 500 ኣባላት ዘለዎም ሸሞንተ ጉጅለታት ዘሰናድኡዎምን ዝተሰማዕምዑሎምን ምኽረ ሓሳባት ትማሊ ምቕራቦም ይዝከር።
ሎሚ መዓልቲ ድማ ካብ 120 ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለታት ዝተመረፁ 34 ኣባላት ኣብ ሸሞንተ ንኡሳን ጉጅለታት ተኸፋፊሎም ንኣጀንዳታት ሕድሕድ ሓሳባት ብዕምቆት እናመርመሩ ውዒሎም።
እቶም ኣባላት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብተደጋጋሚ ዝተልዓሉ ሓሳባት ከይህልዉ ናይ ምፍላይ፣ ኣብ ዘይ ምድቦም ዝተልዓሉ ሓሳባት ናብ ዝምልከቶም ምድብ ኣጀንዳ ምምላስ፣ ከምኡ እውን ምፅራይን ምጥዕዓምን ዝኣምሰሉ ስራሕቲ እናካየዱ ከምዝርከቡ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ።
እዚ ስራሕ እዚ ናይ ሃገራዊ ዘተ ኣጀንዳታት ምኽረ ሓሳባት ኣብ ሓደ ንፁርን ፅሬት ብዘለዎን መልክዑ ንምውዳድ ዝሕግዝ እንትኸውን፤ እቲ ከይዲ ክሳብ ፅባሕ ከምዝቕፅል እውን ተገሊፁ።