ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2018 ካብ ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት እቶት 118 ነጥቢ 91 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ፡፡
ብመሰረት እዚ ካብ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 75 ነጥቢ 17 ቢልዮን ብር ንምርካብ ተሓሲቡ፤ ናይ ወፃኢ ሃገር መሸጣ ሓዊሱ 76 ነጥቢ 53 ቢልዮን ብር ኣታዊ ከምዝተረኽበ ኣብሪሆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ሓደሽቲ ዓማዊል 37 ነጥቢ 74 ቢልዮን ብር ንምእካብ ተተሊሙ ዝነበረ እንተኸውን፤ 39 ነጥቢ 23 ቢልዮን ብር ከም ዝተረኽበ ሓቢሮም።
ካብ መሸጣ ዘየገልግሉ ንብረታት 275 ሚልዮን ብር ዝተረኸበ እንትኸውን፤ ካብ ዝተፈላለዩ ካልኦት ኣታዊታት ድማ 2 ነጥቢ 68 ቢልየን ብር ከምዝተረኽበ ኣብሪሆም።
ኣፈፃፅማ ኣታዊ 103 ሚእታዊ ከምዝበሐን ምስ ተመሳሳሊ እዋን በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም እንትነፃፀር ድማ 88 ነጥቢ 4 ሚእታዊ ሓለፋ ከምዘርአየ ገሊፆም።
ዲጂታላዊ ኣማራፂታት ክፍሊት ዝጥቀሙ ቁፅሪ ዓማዊል ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ብምምፃእ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን 95 ነጥቢ 3 ሚእታዊ ከም ዝበፅሐ ኣብሪሆም፡፡
ብመላኩ ገድፍ