እቲ ዘተ ዳያስፖራ ስምዒት ዋንነት ሃገሩ ንኸጠናኽር ገይሩዎ እዩ – ተሳተፍቲ ዘተ ዳያስፖራታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ስምዒት ምግላል ዘይኮነስ ስምዒት ዋንነት ንኽስምዖ ገይሩዎ እዩ ኢሎም ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ዝኾኑ ኣባላት ዳያስፖራ።

እቶም ተዛተይቲ ከምዝበሉዎ፤ እቲ ዘተ ኣብ ኣብ ኣፈላላይ ሓድነት ብምምፃእ ንኢትዮጵያ ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ ክትሰግር ከም ዝሕግዛ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ሃገር ብምፅላእን ኣብ ወፃኢ ኮይኖም ፀረ-ሃገር ሓሳባት ዝዝርግሑ ውሑዳት ፅንፈኛታት፣ ልዕሊ 10 ሚልዮን ዝኸውን ስድርኡን ሃገሩን ብቐፃሊ ዝድግፍ ሰፊሕ ዳያስፖራ ክውከል ከም ዘይኽእል ኣገንዚቦም።

ካብ ዩናይትድ ዓረብ ኤምሬትስ ዝመፅአት ተሳታፊት ፎዚያ ሑሴን ንፋና ዲጂታል ከምዝበለቶ፤ ብዕጥቃዊ ቃልስን ፅንፈኝነትን ንሃገር መፍትሒ ኣይመፅእን።

እቲ ከይዲ ዘተ ድማ ዳያስፖራ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ስምዒት ምግላል ዘይኮነስ ስምዒት ዋንነት ንኽስምዖ ከም ዝገበረ ገሊፃ።

ኩሎም ወገናት ኣብ ሓደ ክቢ ጠረጴዛ ተቐሚጦም ቀጥጠኛ ዝኾነ ልውውጥ ሓሳብን ተሞክሮን ምክያዶም ፍሉይን ዕዉትን ኣጋጣሚ ከምዝነበረ እውን ኣመልኪቶም።

ካሊእ ካብ ካናዳ ቶሮንቶ ዝመፅአ ተሳታፊ ኣይተ ሳምሶን ፀጋዬ ብወገኑ፤ ዝተፈላለዩ ብሄራት፣ ሃይማኖታትን ኣረኣእያታትን ዘለዎም ልዕሊ 4 ሺሕ ዜጋታት ኣብ ሓደ ክቢ ጠረጴዛ ተቐሚጦም ንዘተ ምስታፎም ከም ዘገረሞም ተዛሪቦም።

ብጠበንጃን ነቐፌታን መፍትሒ ኣይርከብን፤ ልዑል ሓድነት ንምፍጣር ናይ ግድን ኩሉ ሓደ ዓይነት ክኸውን ኣየድልን ኢሎም።

ዝተፈላለዩ ሰባት ንሓደ ዕላማ ምስ ዝእከቡ ፅኑዕ ሓድነት ክፈጥሩ ከም ዝኽእሉ ኣብሪሆም።

እቶም ተሳተፍቲ ዳያስፖራ፤ መብዛሕትኡ ዳያስፖራ ንሃገሩ ብልምዓትን ብህንጠት ዘላቒ ሰላምን ክድግፍ ልዑል ድሌት ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም።

ከይዲ እቲ ምኽክር ካብ ፖለቲካዊ ወገንተኝነት ዝነፅሀ መድረኽ ዘተ ምፍጣሩ ተሳትፎኦም ከም ዘጠናኽር እውን ገሊፆም።

ብሶስና ኣለማየሁ

Comments (0)
Add Comment