ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) እዚ ግዜ እዚ ንኢትዮጵያ ናይ ብራኸ ዘበን እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡
ብመንጎ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስን ሳም ፕሬሺየስ ሜታልስን ኣብ ዝተገብረ ምሕዝነት ኣብ ፍሉይ ዞባ ኢኮኖሚ ቦሌ ለሚ ዝተሃንፀ ሃገራዊ ፋብሪካ መፅረዪ ክቡራት ማዓድናት ሎሚ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተመሪቑ ስራሕ ጀሚሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ ኢትዮጵያ ብሃብቲ ማዕድናት፣ ብምህርቲ ቡንን ብኻልኦት ክቡራት ማዕድናትን ዝማዕበለት ሃገር እኳ እንተኾነት ሃፍትታታ ብጥረ መልክዕ ብምልኣኽ ክትረኽቦ ዝግብኣ ረብሓ ከይረኸበት ፀኒሓ እያ ኢሎም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ8 ዶላር ዝሽየጥ ቡን ናብ ካልኦት ሃገራት ምስ በፅሐ ካብ 30 ክሳብ 50 ዶላር ዋጋ የውፅእ ኢሎም።
እቲ ዝተኸፈተ ፋብሪካ መፅረዪ ወርቂ ካብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ካብ ካልኦት ሃገራት እውን ናብ ኢትዮጵያ ክመፅኡ ዝኽእሉ ፍርያት ወርቂ ከም ዝህልዉ ተዛሪቦም።
ብእመቤት ሲሳይ