ካልኣይ ሰሙን ፀወታታት ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል ካልኣይ ሰሙን መርሃ ግበሪ ፀወታታት ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ኣርባዕተ ፀወታታት ክካየዱ እዮም።

ብመሰረት እዚ ሊቨርፑል ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ከምኡ እውን ቶተንሃም ሆትስፐር ምስ ኒውካስል ዩናይትድ ዝገብረኦም ፀወታ ብዙሕ ትፅቢት ዝግበረሎም እዮም።

ሊቨርፑል ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት ዝገብረኦ ፀወታ፤ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ሰዓት 8፡30 ኣብ ኣንፊልድ ስታዲየም ክራኸባ እየን።

ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ፀወታ ሊቨርፑል ምስ ኒውካስል ዩናይትድ ነጥቢ ተኻፊላ እንትትወፅእ፤ ኖቲንግሃም ፎረስት ብሊድስ ዩናይትድ ተሳዒራ ነይራ።

ብተመሳሳሊ ቶተንሃም ምስ ኒውካስል ዩናይትድ ዝገብረኦ ፀወታ፤ ምሸት ሰዓት 1፡30 ክካየድ እዩ።

ኣብ ካልኦት ናይ ካልኣይ ሰሙን ፀወታታት፤ ቦርንማውዝ ምስ ኤቨርተን፣ ኮቨንትሪ ሲቲ ምስ ሃል ሲቲ ሰዓት 11 ክራኸባ እየን።

ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ማንቸስተር ሲቲ ንክሪስታል ፓላስ 4 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ከም ዝሰዓረት ይፍለጥ።

Comments (0)
Add Comment