ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ናይ ሓንቲ ሃገር ጥንካረ ብበዝሒ ሰራዊታ ወይ እውን ብበዝሒ እትዕድጎም ዕጥቂታት ጥራሕ ኣይምዘንን።
ኢትዮጵያ ድሕሪ ለውጢ ኢንዱስትሪ መከላኸሊኣ ንምጥንካርን ብዕጥቂ ርእሳ ንምኽኣልን ዝተፈላለዩ ትልሚታት እናተግበረት ትርከብ።
እዚ ከይዲ ካብ መከላኸሊ ብተወሳኺ ብተወሳኺ ኣብ ኢንዱስትሪ፣ ቴክኖሎጂ፣ ሳይንስን ኢኮኖሚን እውን ብዙሕ ረብሓ ንምምፃእ ይሕግዝ።
ኢትዮጵያ ንብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ፅገና ኣፅዋርን ምፍራይ ጥይትን እናሰርጠት ፀኒሓ እያ።
ብፍላይ ፅገና ኣፅዋር ኲናት፣ ፅገና ታንኪን መኻይንን፣ ፅገና ነፈርቲን ምፍራይ ጥይትን ኣብታ ሃገር ዝፀንሑ ዓውድታት እዮም።
ኣብ መንግስቲ መደመር ድማ ብርእሰ ዓቕሚ ምፍራይን ልምዓት ቴክኖሎጂን ብዝበለፀ ትኹረት ብመሃብ ይስራሕ ኣሎ።
ብፍላይ ምፍራይ ፍርያት ጥይት ምውሳኽ፣ ፅገና ኣፅዋር ኲናት ኣብ ውሽጢ ሃገር ምክያድ፣ ናይ ውግእ ተሽከርከርቲ ምምሕያሽ፣ ኣብ ቴክኖሎጂ ድሮን ዓቕሚ ምህናፅን ኢንዱስትሪ ፓርክታት መከላኸሊ ምስፋሕን ካብቶም ቀንዲ ትኹረት ዝወሃቦም ጉዳያት እዮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘበናዊ ኲናታት ብቐንዱ ኣብ ድሮናት፣ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፣ ሳተላይት ሓበሬታን ኤሌክትሮኒካዊ ስርዓታትን ተመርኲሶም ዝካየዱ እዮም።
ምዕባለ ኢንዱስትሪ መከላኸሊ ብዙሕ ረብሓታት ዘለዉዎ እንትኸውን፤ ምንካይ ሸርፊ ወፃኢ፣ ምፍጣር ዕድላት ስራሕ፣ ምዕባለ ኢንዱስትሪታት ሓፂን፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ኬሚካልን ሶፍትዌርን፣ ከምኡ እውን ምርምር ዩኒቨርሲታት ምስ ኢንዱስትሪ ምትእስሳር ዝብሉ ቀንዲ እዮም።
ዓቕሚ ምፍራይ መሳርሒ መከላኸሊ ምውሳኽ፣ ንኢትዮጵያ ሃገራዊ ድሕንነት ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ንዕቤት ኢንዱስትሪ፣ ንስግግር ቴክኖሎጂ፣ ንልምዓት ሓይሊ ሰብን ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ንምጥንካርን ወሳኒ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ እታ ሃገር ኣብ ዞባዊ ወተሃደራዊ ሚዛን ዘለዋ ፅዕንቶ ንምጥንካርን ብርእሰ ዓቕሚ ንምኽኣልን ዝግበር ጉዕዞ ንምቅልጣፍ ዝሕግዝ ተግባራዊ መርአያ እዩ።
ብኣመለወርቅ ደምሰው