ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣዛዚ ላዕለዋይ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ዳይሬክተር ፕሮግራም ዞባዊ ኣፍሪካ ዩኒቨርሲቲ ፎር ፒስ ሕቡራት ሃገራት ሳሙኤል ካሌ ኤውሲን (ፕ/ር) ተቐቢሎም ተዛትዮም።
ኣብቲ ዘተ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰላም ዝወሃቡ ዕድላት ትምህርትን ስልጠናን ብምጥቃም ክእለት ኣመራርሓን ኣባላትን ፖሊስ ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ደረጃ ብምዕባይ ሃገራዊ፣ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ዕማማት ምሕላው ሰላም ብብቕዓት ክፍፅሙ ዝኽእሉ መራሕትን ሰብ ሞያን ኣብ ምፍራይ ዝሕግዙ ኣገባባት ተመያይጦም።
ብፍላይ መኮንናት ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝወሃቡ መደባት ትምህርቲ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ዝሳተፉሉ ኩነታት ብሰፊሑ ተዛትዮም።
ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያን ዩኒቨርሲቲ ፎር ፒስ ሕቡራት ሃገራት (UPEACE)ን ዕድላት ትምህርቲ ኣብ ምምችቻው ብሓባርን ብዝተዋደደ መንገድን ከምዝሰርሑ ምዝታዮም ሓበሬታ ፌደራል ፖሊስ የመልክት።