ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ትግራይ ብምዃን እናገልገሉ ዝፀንሑ ነባር ኣመራርሓ ህወሓት ሜጀር ጀነራል ገብረ ኣድሃና ንዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብምቅዋም ናብ መንግስቲ ፌደራል ኣትዮም።
እቶም ጀነራል መኮንን ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ዘገልገሉ እንትኾኑ፤ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሃገር ክሕደት ክሳብ ዝፍፅም ሓላፊ ዋና መምርሒ ወፍሪ ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል ኮይኖም ኣገልጊሎም።
ዕድመኦም ንውግእ ዘይበፅሑ ህፃናት ናብ ኲናት ብምእታው፤ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ እናወሰኸ ዝመፅአ እኩይ ተግባር ህወሓት ብምቅዋም፤ እቶም ጀነራል ካብቲ ውድብ ምፍልላዮም ህልውና ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምብቅዑ ዘርኢ እዩ።