Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽነር ፖሊስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብምዃን እናገልገሉ ዝነበሩ ሜጀር ጀነራል ገብረ ኣድሃና ናብ መንግስቲ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽነር ፖሊስ ክልል ትግራይ ብምዃን እናገልገሉ ዝፀንሑ ነባር ኣመራርሓ ህወሓት ሜጀር ጀነራል ገብረ ኣድሃና ህወሓት ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ብምትሕብባር ሃገር ናይ ምፍራስ ልኡኽቶን ወልፊ ኲናትን ብምቅዋም ናብ ፌደራል መንግስቲ ኣትዮም።

እቶም ጀነራል መኮንን ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት ዘገልገሉ እንትኾኑ፤ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሃገር ክሕደት ክሳብ ዝፍፅም ሓላፊ ዋና መምርሒ ወፍሪ ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል ኮይኖም ኣገልጊሎም።

ዕድመኦም ንውግእ ዘይበፅሑ ህፃናት ናብ ኲናት ብምእታው፤ ስቓይ ህዝቢ ትግራይ እናወሰኸ ዝመፅአ እኩይ ተግባር ህወሓት ብምቅዋም፤ እቶም ጀነራል ካብቲ ውድብ ምፍልላዮም ህልውና ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምብቅዑ ዘርኢ እዩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.