ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌደራል ሎሚ መዓልቲ ልዕሊ 2 ሺሕን 500ን ዝኾኑ ህንፀት ሹቓት ብዕሊ ጀሚሩ።
ዋና ስራሕ ኣስፈፃሚ እቲ ኮርፖሬሽን ረሻድ ከማል (ዶ/ር)፤ እቲ ትካል ብዝተፈላለየ መልክዑ ካብ ዝነበሮ ፈታኒ ኩነታት ብሪፎርም ናብ መድረኽ መትረፋይነት ተሰጋጊሩ ኢሎም።
ብመሰረት እዚ እቲ ትካል መጠን ትርፉ ብ42 ዕፅፊ ክውስኽ ከምዝኸኣለን ሎሚ መዓልቲ ድማ ልዕሊ 2 ሺሕን 500ን ዝኾኑ ሹቓት ህንፀቶም ብዕሊ ከምዝጀመረ ተዛሪቦም።
ሎሚ ዝተጀመረ ህንፀት ብ4 ነጥቢ 3 ቢልየን ብር ወፃኢ ምስ ኣልማዕቲ ብምትሕብባር ዝህነፅ ኮይኑ፤ ሽዱሽተ ደብሪ ዘለዎ ህንፃ እኹል መደበሪ መካይንን ዘመናዊ መዘናግዒ ቦታታትን ምስ ሹቓቱ ዝሓዘ እዩ።
እቶም ዋና ፈፃ ስራሕ ኣብቶም ሹቓት ንልምዓት ዝለዓሉ 230 ነባራት ተኻረይቲ ሓዊሱ ተወሰኽቲ ዜጋታት ዕድል ስራሕን ንግዲን ከምዝፍጠረሎም እውን ኣብሪሆም።
እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዓሰርተ ህንፃታት ንምዝዛም መደብ ከምዘለዎን ንኣስታት 10 ሺሕ ሰባት ዕድል ስራሕ ክፈጥሩ ዝኽእሉ ህንፀታት እናተኻየዱ ከምዝርከቡን ኣልዒሎም።
ብኻልእ ወገን ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌደራል ኣብ መርካቶ ዘህነፆም 399 ሹቓት ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።
ብኣሸናፊ ሽብሩ