ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ሓንቲ ሃገር ዘላቒን ውሑስን ክኸውን ዝኽእል ምስ ጭቡጥ ኩነታት እታ ሃገር፣ ባህላን ውሽጣዊ ዓቕማን ዝሰማማዕ ፖሊሲ ምስ ዝቕረፅ ጥራይ እዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘጋጠማ መዋቕራዊ ኢኮኖሚያዊ ፈተናታት ንምፍታሕ ከምኡ ድማ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ፣ ናህሪ ዋጋታትን ፀገም ስራሕ ኣልቦነትን ንምቕናስ ሃገር-በቆል መርሃ ግብሪ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ብምንዳፍ ናብ ተግባር ኣቲያ።
እዚ ሪፎርም መሰረታዊ ዓምዲታት ኢኮኖሚ ሃገር ኣብ ምዝማን ዓብዪ ተራ ይፃወት ኣሎ።
ሃገር-በቆል ኢኮኖሚያዊ ማሻሻያ ብቐንዱ ኢኮኖሚ ካብ ጉድለት ባጀት፣ ካብ ከቢድ ውሽጣዊን ደጋዊን ፀቕጢ ዕዳ ከምኡ ድማ ካብ ምዝባዕ ዕዳጋ ናብ ዝተረጋገአ ስርዓት ንምስግጋር ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን ፍሰት ካፒታል ብምምሕያሽ፣ ቀረብ ሸርፊ ወፃኢ ብምዕባይን ዓውዲ ፋይናንስ ብምዝማንን ማክሮ-ኢኮኖሚያዊ ርግኣት ክፍጠር ኣኽኢሉ።
ኣሰራርሓ መንግስታዊ ትካላት ልምዓት ብምምሕያሽ፣ ዝተናውሐ ቢሮክራሲ ብምቕናስን ሃዋህው ንግዲ ብምስፋሕን መዋቕራዊ ምምሕያሻትንኽትግበሩ መሰረት ኣንቢሩ።
እዚ ሃገር-በቆል ኢኮኖሚያዊ መመሓየሺ ከም ሕርሻ፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ማዕድን፣ ቱሪዝምን መረዳእታን ኮሙኒኬሽን ቴክኖሎጂን (ICT) ዝኣመሰሉ ቁልፊ ኢኮኖሚያዊ ዓውዲታት ልምዓት ብቕልጡፍ ንኽዓብዩ ኣኽኢሉ።
እቲ ሪፎርም፣ ኢኮኖሚያዊ መዋቕር እዛ ሃገር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ሓሙሽተ ቀንዲ ዓውዲታት ከም ስትራቴጂያዊ ዓምዲታት ብምልላይ እናተግበረ ይርከብ።
ቀዳማይ ዓንዲ ዘመናዊ ሕርሻ እዩ፤ ኣብዚ ዓውዲ ብፍላይ ኣብ ልምዓት ስርናይ ዓብዪ ዓወት ተመዝጊቡ።
ሕርሻ ካብ ፅግዕተኝነት ዝናብ ብምውፃእ ኣብ ልምዓት ስርናይ መስኖ ሓጋይ ዝተረኸበ ዓወት ናይቲ ዝዓበየ መርኣያ እዩ።
ሕዚ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጣዊ ድሌታ ምምላእ ሓሊፋ ስርናይ ናብ ወፃኢ ሃገራት ናይ ምልኣኽ ዓቕሚ ፈጢራ ኣላ።
ካልኣይ ዓንዲ እቲ መመሓየሺ፥ ልምዓት ማኑፋክቸሪንግን ፓርክታት ኢንዱስትሪን ኢዩ።
ኣብዚ ዓውዲ ፍሪያታት ውሽጢ ዓዲ ብምትብባዕ፣ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያት ብናይ ውሽጢ ሃገር ፍርያት ንምትካእ ከምኡ ድማ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ልምዓት ኢንዱስትሪ ብሰፊሑ ንኽሳተፍ ዕድል ከፊቱ እዩ።
ሳልሳይ ዓንዲ ናይቲ ሃገር-በቆል ኢኮኖሚያዊ መመሓየሺ፥ ቱሪዝምን ህንፀት ፅባቐ ሃገርን እዩ።
ከም “ገበታ ንሃገር”ን “ገበታ ንትውልዲ”ን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ብምትግባር፥ ሓደሽቲ መብፅሒታት ቱሪዝም ተሃኒፆም እዮም። እዚ ድማ ዲፕሎማሲ ቱሪዝም ንምጥንኻርን ካብ ቱሪዝም ዝርከብ ኣታዊ ንምዕባይን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ገይሩ።
ራብዓይ ዓንዲ ናይቲ መመሓየሺ፥ ልምዓት ማዕድንን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን እዩ።
ኣብዚ ዓውዲ ስራሕቲ ምድላይ ወርቂ፣ ማዕድናትን ነዳዲን ሰርዓት ሒዙ። ብተወሳኺ ዘይሕጋዊ ዝውውር ማዕድናት ንምቁፅፃርን ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይን ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ።
ሓምሻይ ዓንዲ፥ መረዳእታን ኮሙኒኬሽን ቴክኖሎጂን (ICT) እዩ።
ዓውዲ ቴሌኮም ንውድድር ክፉት ብምግባር ሳፋሪኮም ኣብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ንኽኣቱ ዕድል ተፈጢሩሉ።
ብሳላ እቲ መመሓየሺ፥ ዲጂታላዊ ኢኮኖሚ ብቕልጡፍ እናዓበየ ይርከብ። መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም እውን ብሰፊሑ ተስፋፊሑ። እዚ ድማ ዘመናዊ ኢኮኖሚ ንምህናፅን ዲጂታላዊ ኣገልግሎታት ንምስፋሕን ዓብዪ መሰረት ፈጢሩ ኣሎ።
ካልኣይ ምዕራፍ ናይቲ ሃገር-በቆል ኢኮኖሚያዊ ሪፎርም፥ ካብ ቀዳማይ ምዕራፍ ንላዕሊ ደፋርን ስር-ቦቆሰን ዝኾኑ ማክሮ-ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሻት ስጉምትታት ስርዓተ ዕዳጋን ዝሓዘ እዩ።
ካብ’ዞም ስጉምትታት እቲ ቀንዲ፥ መጠን መቐየሪ ወፃኢ ሸርፊ ብሓይልታት ዕዳጋ ማለት ብቐረብን ድሌትን ክውሰን ምግባር እዩ።
እዚ ስጉምቲ ኣብ መንጎ ሕጋዊ ዕዳጋን ፀሊም ዕዳጋን ዝነበረ ፍልልይ ብምፅባብ፣ ሸርፊ ወፃኢ ናብ ሕጋዊ ባንክታት ንኽኣቱ ኣኽኢሉ። ብተወሳኺ ቀጥታዊ ፍሰት ኢንቨስትመንት ወፃኢ (FDI)ን ሓዋላን ብዓቢ ደረጃ ንኽውስኽ ኣስተዋፅኦ ገይሩ።
እቲ ሪፎርም ዓለምለኻዊ ትካላት ፋይናንስ፣ ከም ዓለም ባንክን ኣይ.ኤም.ኤፍን (IMF) ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም እምነት ንኽዓቢን ዝህብዎ ፋይናንሳዊ ደገፍ ንኽውስኽን ሓጊዙ።
ብሓፈሻ ሃገር-በቆል ኢኮኖሚያዊ መመሓየሺ ኢትዮጵያ፥ እታ ሃገር ካብ ተሓጋዛይነት ፀቕጢ ዕዳን ወፂኣ ብዓርሳ ክትቐውም ዘኽእላ ስትራቴጂያዊ መሳርሒ ኮይኑ የገልግል ኣሎ።
እቲ ሪፎርም ውሽጣዊ ዓቕሚ ሃገር ብምንቅስቓስ፣ ውልቃዊ ዓውዲ ብምትብባዕን ኢኮኖሚያዊ መዋቕር ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍን ናይ ነዊሕ ግዜ ምዕባለ ንምርግጋፅ ይሰርሕ ኣሎ።
ዋላ’ውን እዋናዊ፣ ዓለምለኻዊን ውሽጣዊን ብድሆታት እንተሃለዉ ክሳብ ሕዚ ዝተመዝገቡ ዓወታት ግና ናይ’ቲ ሪፎርም ትኽክለኛነት ዘረጋግፁን ንብሩህ መፃኢ ኢትዮጵያ ተስፋ ዝህቡን እዮም።