ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እናተኻየደ ዝርከብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንምዕዛብ ዝተዋፈሩ ዓለም ለኸን ናይ ውሽጢ ሃገርን ተዓዘብቲ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ብቕርበት እናተመልከቱ ይርከቡ።
ጉጅለ ተዓዛቢ በዓል መዚ በየነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ጣቢያታት መረፃ እናጎብነዩ ይርከቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ጉጅለ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ማእኸል መእከቢ ሓበሬታ ሕብረት ንመረፃ ዝተሰነየ ሲቪል ማሕበራት ምዕዛብ መረፃ ተዓዚቡ።
ከምኡ እውን ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ሳምሶን ቢራቱ፣ ምክትል ዳይሬክተር ፋሲካው ሞላን ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያን ኣሕመድ ሁሴን ብሓባር ብምዃን ምንቅስቓስ ስራሕ እቲ ማእኸል ተመልኪቶም።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፤ ክሳብ ሕዚ ኣብ 39 ሺሕን 723 ጣቢያታት መረፃ ዘይሻራዊ ተዓዘብቲ ተዋፊሮም እቲ ከይዲ ሙሉእ ብሙሉእ እናተኻታተሉ ይርከቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ 41 ሺሕን 978 ኣብ ዝኾኑ ጣቢያታት መረፃ ተወከልቲ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ብተዓዛቢነት ከምዝተረኸቡን እቲ ከይዲ ብናፅነት እናተዓዘቡ ከምዝርከቡ ኣረጋጊፁ።
ብኻሊእ መዳይ ሕብረት ትካላት ሲቪል ማሕበራት ኢትዮጵያ ከካብ ጣቢያታት መረፃ ዝለኣኹ ትዕዝብቲታት ዕለት መውሀቢ ድምፂ ሪፖርታት ብዕሊ ምቕባል ጀሚሩ።
ነቲ ሓፈሻዊ መረፃ ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን ነናይባዕሎም ጉጅለ ተዓዘብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብዕሊ ኣዋፊሮም።
ብመሰረት እዚ 59 ኣባላት ዘለዉዎ ሕብረት ኣፍሪካ ጉጅለ ታዘብቲ መረፃ ኣብ ኬንያ ነበር ፕሬዚዳንት ኡሁሩ ኬንያታ እናተመርሐ ሰርሑ ዝጀመረ እንትኸውን፤ ኢጋድ ብግድኡ 26 ኣባላት ዘለዉዎ ጉጅለ ተዓዘብቲ ኣዋፊሩ።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተወደቡ 55 ሲቪክ ማሕበራት ፍቓድ ወሲዶም ናብ ስራሕ ዝኣተዉ እንትኾኑ 1 ሺሕን 562 ተዓዘብቲ መረፃ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ኣዋፊሮም።
ብሶስና ኣለማየሁ
#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያትመርፅኣላ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል #Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision