ዓለም ለኸ ፎረም ድሕንነትን ሓበሬታን ፓርላማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ትኹረቱ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ፓርላማ፣ ሰብ ሞያ ሓበሬታን ሰብ መዚ መንግስቲን ኣብ ዓለም ለኸ ስግኣታት ድሕንነት ዙሪያ ምትሕብባር ንምጉልባት ዝገበረ ዓለም ለኸ ፎረም ድሕንነትን ሓበሬታን ፓርላማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2014 ብነበር ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካ ሮበርት ፒቴንገር ዝተመስረተ እቲ ፎረም፤ ዋና ልኡኽቶኡ ኣብ ሞንጎ መውፃእቲ ሕጊ ኣካላትን ኣፈፀምቲን ትካላት ድሕንነትን ሓበሬታን ዘሎ ክፍተት ምፅባብ ኢዩ።

ኣብቲ ፎረም ብቕልጡፍ እናዓበዩ ዝመፅኡ ዶብ ዘለልን ስግኣታታት ቴክኖሎጂን ንምፍታሕ፣ ዓለም ለኸ መውጻእቲ ሕጊን ሰብ ሞያ ድሕንነትን ይምዕዱ።

በዚ ድማ ሕጊን ቴክኖሎጂን ዝራኸቡሉ ማሕለኻ ድሕንነት መሰረት ብምግባር ከምዝዝቲን ብዋናነት ድሕንነት ሳይበር፣ ዘይሕጋዊ ፋይናንስን ንግብረ ራዕዲ ዝውዕል ፍልፍል ገንዘብ ምክልኻልን ዘይሕጋዊ ዝውር ሰባት ምክልኻልን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያት ልዝብ ክግበር ኢዩ።

ኣብቲ ፎረም ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ መስራቲ እቲ ፎረም ሮበርት ፒቴንገር፣ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)፣ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፣ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቬን ማሲንጋ ሓዊሱ ካብ 43 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ኣባላት እናተሳተፉ ይርከቡ።

እቲ ፎረም ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንክልተ መዓልቲ ዝካየድ ኢዩ።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment