ዓቕሚ ሓበራዊ ምልማዕ ኢትዮጵያ ፤ ኣፍደገ ባሕሪ

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 8፣ 2018 ዓ.ም (ኤፍ ኤም ሲ)ተፈጥሯውን ጂኦ-ፖለቲካውን ሓቅታት ኣብ ምውሳን መፃኢ ዕድል ሃገራት ዓቢ ግደ ይፃወቱ።
ካብ 130 ሚልየን ንላዕሊ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ኣፍደገ ባሕሪ ምስኣና ንቑጠባዊ ዕቤታን ዞባዊ ድሕነታን ዓቢ ብድሆ እዩ።
ምዕባለ ቁጠባ ምድላይን ጂኦ-ፖለቲካዊ ህላወ ምርግጋፅን ኣብዚ እዋን እዚ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሕቶ ወደብ ብግልፅን ብቆራፅነትን ናብ መድረኽ ምምፃኡ፣ ነዊሕ ግዜ ዘለዎ ህላወን ልምዓታዊ ድሌትን እታ ሃገር ንምርግጋፅ ዝተወስደ ኣገዳስን ኣብ ግዜኡ ዝተወስደን ስጉምቲ እዩ።
ስሉጥ ቁጠባዊ ዕቤት እናመዝገበት ዘላ ኢትዮጵያ፥ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ወደብ ዘይብለን ሃገራት ብብዝሒ ህዝቢ ዝዓበየት እያ።
እዛ ሃገር ንንግዲ ምእታውን ምውፃእን በብዓመቱ ቢልየናት ዶላር ንኽራይ ወደብ እተውፅእ ምዃና ኣብ ቁጠባኣ ዓቢ ፆር ፈጢሩ ኣሎ።
እዚ ድማ ሕቶ ወደብ ኢትዮጵያ ጉዳይ ገይፂ ዘይኮነስ፣ ጉዳይ ህላወ ሃገርን ዝተረጋገፀ ቁጠባዊ ውሕስነትን ምኳኑ የረጋግፅ።
ሕቶ ምርካብ ወደብ ግን ሉዓላውነት ናይ ሓደ ሃገር ንምጥሓስ ወይ ረብሓ ጎረባብቲ ሃገራት ንምግፋፍ ዝዓለመ ዘይኮነስ፥ ኣብ መትከል ብሓባር ምልማዕን ብሓባር ምጥቃምን ዝተመስረተ እዩ።
ዓለምለኻዊ ሕጊ ባሕሪ ውዕል ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ድንጋጌታት፥ ወደብ ዘይብለን ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብን ካብ ሃብቲ ባሕሪ ናይ ምጥቃምን መሰል ከም ዘለወን ይድንግጉ።
ኢትዮጵያ ነዚ ሕጋዊ መሰላን ታሪኻዊ ግደኣን ብምርዳእ፣ ሕቶኣ ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ብምቕራብ ብሓባር ምልማዕን ብሓባር ምጥቃምን እያ እትሓትት ዘላ።
ሕቶ ተጠቃምነት ወደብ እውን ንዲፕሎማሲን ሓባራዊ ረብሓን ቀዳምነት ዝህብ፣ ድርድር መሰረት ዝገበረ እዩ።
ኢትዮጵያ ዘለዋ ብዙሓት ሃብትታት ልምዓት፣ ከም ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ኣገልግሎት መገዲ ኣየር፣ ፍርያት ሕርሻን ሰፊሕ ውሽጣዊ ዕዳጋን ንጎረባብቲ ሃገራት ዓቢ ዕድል ብሓባር ንምልማዕ ይፈጥሩ።
ናይ ነዊሕ ግዜ ስምምዕ ሓባራዊ ልምዓት ምግባር፣ ሕቶ ኢትዮጵያ ካብ ምምላስ ሓሊፉ ንወደብ ዘለወን ሃገራት ዘላቒ ቁጠባዊ ረብሓ ክህብ ይኽእል።
ሃገራት ብቁጠባ ንሕድሕደን እናተኣሳሰራ ኣብ ዝኸዳሉ እዋን ኣብቲ ዞባ ዘሎ ውጥረት ክንኪ ይኽእል፤ ኣብ ክንድኡ ድማ ሰላም፣ ውህደትን ሓባራዊ ብልፅግናን ክረጋገፅ ይኽእል።
ብፍትሓዊ ታሪኻውን ቁጠባውን ምኽንያታት ብሓባር ምልማዕ መሰረት ዝገበረ ሕቶ ወደብ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንኹለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋፅ መሰረት ክኸውን ይኽእል።
ብምሕረት ደምሴ
Comments (0)
Add Comment