ዓወታት ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራት ዝኽተለኦም ኣንፈታት ዝምድናታት ወፃኢን ዲፕሎማሲን ኣብ መስርሕ ዕቤተን ወሳኒ ግደ ይፃወት።

ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ሃገራዊ ረብሓኣ ዘረጋግፅ፣ ክብሪ ዜጋታት መሰረት ዝገበረ፣ ዞባዊ ፅልዋኣ ንምዕባይን ብዙሕ ወገናዊ ዝምድናታት ንምጥንኻርን ዘኽእል ኣንፈት ዲፕሎማሲ እናተኸተለት ትርከብ።

እዚ ብኣምር መደመር ዝተሓንፀፀ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ፣ ኣካይዳ ጂኦፖለቲካዊ ዓለም ኣቐዲሙ ብምርዳእ፣ ብዙሓት ዓበይቲ ዓወታት ንኽምዝገቡ ኣኽኢሉ እዩ።

ንኣብነት ህንፀትን ምምላእ ማይን ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብድሆታትን ፀቕጢታትን ወፃኢፃ እንተይተዓናቐፈ ብልዑል ቃልሲን ፃዕሪን ብዓወት ክዛዘም ኣኽኢሉ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዓለም ለኻዊ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ምትእስሳር ሃገራት ዝኾነ ብሪክስ ኣባል ክትከውን ምኽኣላ ንዓቕሚ ጂኦፖለቲካዊ ፅልዋ ሃገራ ኣዝዩ ዘዕበየ ልዑል ዓወት ኮይኑ ተመዝጊቡ።

ካብቲ ልሙድን ምስ ምዕራባውያን ጥራሕ ዝተኣሳሰረን ዝምድና ሓሊፉ ምስ ሃገራት ርሑቕ ምብራቕን ሃገራት ባሕረ ሰላጤን ኣብዚ ምዕባለ ልዑል ደረጃ ዘለወን ሃገራትን ጥንኩር ምትእስሳር ኢኮኖሚን ኢንቨስትመንትን ንምፍጣር ትኹረት ተገይሩሉ እዩ።

እዚ ክብሪ ዜጋታት መሰረት ዝገበረ መገዲ ዲፕሎማሲ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዝነብሩለን ሃገራት ሰብኣዊ ክብሮምን መሰላቶምን ተሓልዩ ንኽነብሩ ዘኽእል እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ፣ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት፣ ኢንቨስትመንት፣ ስግግር ቴክኖሎጂን ምስሊ ሃገር ኣብ ምህናፅን ቅልጡፍ ተሳትፎ ንኽገብሩ ዘተባብዕ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ እዩ።

ልዑላውነት ሃገር ንምሕላው ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ዘካየዶ ዝተዋደደ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈት ዓብዪ ዓቕሚ ምዃኑ ብፍላይ ኣብ እዋን ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብግልፂ ተራእዩ እዩ።

ብሓፈሻ መንግስቲ መደመር ዝተኸተሎ ጥንኩርን ንእዋኑ ዝስማዕማዕን ፖሊሲ ዝምድናታት ወፃኢ፤ ብሄራዊ ረብሓን ልኣላውነትን ኢትዮጵያ ብምሕላው ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ ተሰማዕነት ክብ ኣቢሉ እዩ።

ብመልካም ፈቓዱ

Comments (0)
Add Comment