ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ኣብቲ ክልል ሰላምን ምርግጋእን ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ሓፈሻዊ ተግባራት እናካየደ ይርከብ።
እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ስራሕቲ ምሕዳስ መሰረተ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዳግም ምጅማር፣ መዋቕራት መንግስቲ ዳግም ምውዳብ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ምውትሕብባርን ካልኦት ብዙሓት ተግባራትን እናወገነ ይርከብ።
እዞም ስራሕቲ ህዝቢ እቲ ክልል ናይ ሰላም ኣየር ክትንፍስ ዘኸኣሉን ተስፋ ልምዓቱ ዘለምለሙን ኮይኖም ኣለዉ።
ዳግመ ህንፀት መሰረተ ልምዓ፣ ምንቕቓሕ ኢኮኖሚያዊ ንጥፈታትን ምምሕያሽ ርክባት ህዝቢ ምስ ህዝቢን ኣብቲ ክልል ምንቕቓሕ ፈጢሮም ኣለዉ።
ህዝቢ እቲ ክልል እውን ዝረኸቦ ኣማራፂ ሰላም ዘላቒ ንምግባር ምስ መንግስት ፌደራልን በዓል ሓደራ ምምሕዳርን ብቕርበት እናሰርሐ ይርከብ።
መንግስቲ ፌደራል ጎድና ጎኒ ምቁራፅ ጎንፂ እቲ ክልል ብዘላቕነት ዳግም ንምህናፅ ዘኽእሉ ንጥፈታት ልምዓት እናካየደ ይርከብ።
ትካላት ሕክምና ምሕዳስን ናብ ስራሕ ምምላስን፣ ሕብረተሰብ ኣድለይቲ ኣገልግሎታት ሕክምና ክረክብ ምግባር፣ ሓገዝ ምብፃሕን ቀረብ መድሃኒታት ምጥንኻርን ዝበሉ ቀዳምነት ዝተውሃቦም ህፁፃት ስራሕቲ ክትግበሩ ኣንፈት ሂቡ።
ኣቢያተ ትምህርቲ ከይዲ ተግባራት ምምሃርን ክቕፅላ፣ ተምሃሮ ናብ ዓውዲ ትምህርቶም ክምለሱ፣ ከምኡ እውን ሰራሕተኛታት ብምሉእ ናብ ስረሖም ንኽምለሱ ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ዝርከባ ኣቢያ ትምህርቲን ዩኒቨርሲቲታትን ተምሃሮ ተቐቢለን እናመሀራ ይርከባ።
መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ምኽፋል፣ ዕዳጋ ምርግጋእ፣ ምንቅስቓሳት ትራንስፖርትን ፋይናንስን ዳግም ምጅማር፣ ቀዳምነት ዝተውሃቦም ኣንፈታት ትኹረት እዮም።
ብፍላይ ትካላት ፀጥታ ዳግም ብምጥያሽን ዓቕሞም ብምጥንኻርን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር፤ ኩነታት ፀጥታ ከተማታት ንምምሕያሽ ከምኡ እውን ገበን ንምክልኻል ኣባላት ፖሊስ እቲ ክልል ናብ ስራሕ ቦታኦም ናይ ምምላስ ተግባር እናተኻየደ ይርከብ።
ዘላቒ ሰላምን ፀጥታን ንምዕሳል ዝትግበሩ ስራሕቲ መዓልታዊ ህይወት ዜጋታት ንምምሕያሽ ኣብ ኣተሓሳስባን መዋቕርን ዘለዉ ስብራታት ንምፅጋንን ማሕበራዊ ምትእስሳር ንምጥንኻርን ወሳኒ ግደ ኣለዎም።
ባለኣደራዊ ምምሕዳር ብመሰረት ዝተውሃቦ ልኡኽቶ ስነ ልቦናዊን ማሕበራዊን ጉድኣታት ህዝቢ ብምሕካም ተስፋ ንምሕዳስን ዳግመ ህንፀት እቲ ክልል ንምቅልጣፍን ብትኹረት እናሰርሐ ይርከብ።
ነበርቲ እቲ ክልልን ካልኦት ተዛመድቲ ኣካላትን ምስ ሓይልታት ፀጥታ ዘለዎም ምትሕብባር ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን እቲ ክልል መሰረት ብምዃኑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።
ብምሕረት ደምሴ