ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ኮነ ኢሉ ብዝተዋደደ ኣሰራርሓ ተተካእቲ ወለዶ የምክን ኣሎ – ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ኮነ ኢሉ ብዝተዋደደ ኣሰራርሓ ተተካእቲ ወለዶ የምክን ኣሎ ኢለን ኣባል ቤት ምኽሪ ፓርቲ ዴሞክራሲያዊ ስምረት / ኬርያ ኢብራሂም፡፡

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ “ፅምዶ” ብዝብል ስያመ ምስ ሻዕብያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዝርከቡ ፅንፈኛታትን ጥምረት ብምፍጣር፣ ንኢትዮጵያ እናዘረገ ንምንባር ሓሲቡ እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ ኣፍሊጠን።

እቲ ጉጅለ ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ከም መሳርሒ ግዜ ንምግዛእ ብምጥቃም፣ ንዳግማይ ኲናት ይዳሎ ኣሎ፤ በዚ ድማ ኣዴታት ትግራይ ኣብ ሓዘን ከም ዝርከባ ኣረዲአን።

ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም ምስ ኢዜአ ኣብ ዝገበራኦ ቃለ-መሕትት ከም ዝገለፃኦ፤ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ድምፂ ጥይት ብምቁራፅ ንህዝቢ ትግራይ ተስፋ ዝሃበ ኣገዳሲ መንገዲ ሰላም ነይሩ።

መንግስቲ ፌዴራል ድማ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታትን ትካላትን መሊሱ ከም ዝሃነፀ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ህዝቢ እቲ ክልል ዝተረጋገአን ሰላማዊ ህይወትን ንምምራሕ ዕድል ከም ዝፈጠረ ኣብሪሀን።

ብተወሳኺ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምጥያሽ ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ረብሓ ዘለዎም ትካላት ብቕልጡፍ ናብ ኣገልግሎት ክምለሱ ከም ዝገብረ ኣዘኻኺረን።

ነበር ዕጡቓት ክልል ትግራይ ብስልጠና ተሃድሶ ክሓልፉ ብምግባር፣ ናብ ማሕበረሰቦም ተመሊሶም ዝተረጋገአ ህይወት ንኽመርሑ ዝሕግዝ ገንዘባዊ ደገፍ እናገበረ ምፅንሑ ገሊፀን።

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ልዑል ዕረፍቲ ዘምፀአ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ከም መግዝኢ ግዜ ተጠቒሙሉ ተዛሪበን፡፡

በዚ ድማ እቲ ጉጅለ ንግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብሓይሊን ብተደጋጋሚን ብምፍራስ፣ ብዘይሕጋዊ መስርሕ ዘጣየሾ ቤት ምኽሪ ብምእካብ ተቐባልነት ዝሰኣነ ካቢኔ ከመዘዋቐረ ኣብሪሀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ተተካኢ ወለዶ ክልል ትግራይ ብዕላማ ብመዋቕራዊ ኣሰራርሓ እናጠፍአ ከም ዝርከብ ወ/ሮ ኬርያ ተዛሪበን።

ብፍላይ ድማ ንባዕሉ ንዳግማይ ኲናት ብምድላው፣ ህፃናት ካብ ሕቝፊ ኣዴታቶም ብምፍላይ ኣዴታት ትግራይ ናይ ደም ንብዓት የንብዕ ከም ዘሎ ገሊጸን።

እቲ ጉጅለ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን ዝርከቡ ፀላእቲ ሓይልታት ዘይቅዱስ ምትሕብባር ብምፍጣር፣ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዳግማይ መከራን ሽግርን ንምእታው ይፍትን ከም ዘሎ እውን ኣመልኪተን።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ ግፍዒ ድማ፣ ብብዙሓት ሃገራትን ዓለምለኻዊ ትካላትን እናተኾነነ ከም ዝርከብ ፀሪሐን።

ከምኡ እውን፣ እቲ ጉጅለ “ፅምዶ” ብዝብል ስያመ ምስ ሻዕብያ፣ ሱዳንን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ፅንፈኛታትን ብምትሕብባር፣ ንኢትዮጵያ እናዘረገ ንምቕፃል ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ገሊጸን።

ወ/ሮ ኬርያ ኣብ መወዳእታ፣ ኣዴታት ትግራይ ኣንፃር እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ተቓውሞአን ብግልፂ እናገለፃ ከም ዝርከባ፣ መናእሰይን ህዝቢ እቲ ክልልን እውን ንእኩይ ሽርሑ ብሰፊሑ እናተቓለሱ ከም ዝርከቡ ኣብሪሀን።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment