ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ሓዱሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ዩናይትድ ኪንግደም ኣንዲ በርንሃም ሃገሮም ንዩክሬን ትገብሮ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ደገፍ ከምዘይትቋርፆ ኣረጋጊፆም።
ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ናብ ብሪታንያ ብምምራሕ ሎሚ መዓልቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣንዲ በርንሃም ክዛተዩ እዮም።
እቲ ርክብ ኣብ ሓደ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ብሪጣንያ ዝካየድ እንትኸውን፤ ዑደት ዘለንስኪ እንግሊዝ ተወሳኺ ሓገዝ ንዩክሬን ክትህብ ድሕሪ ምእዋጃ ዝተገበረ ኢዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር በርንሃም ከምዝበሉዎ፤ ዩናይትድ ኪንግደም ንዩክሬን ዘይቋረፅ ሓገዝ ክትገብር እያ፡፡
ዩናይትድ ኪንግደም ፀረ ድሮን ቴክኖሎጂ ሓዊሱ ሓገዝ ከምትገብር ዝተገለፀ እንትኸውን፤ እቲ ቴክኖሎጂ ድሮናት ብራዳር ከይረኣያ ክሕግዝ ዝኽእል ኤሌክትሮኒክ መሳርሒ እዩ።
ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ ናብ ብሪጣንያ ዘምርሑ፤ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬንን ዶባዊ መጥቃዕትታት እናበርትዐ ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን ከምዝኾነ ኢንዲያን ቱደይ ፀብፂቡ።
ኣብ ፃንሒቶም ድማ ብሓገዝ ዩናይትድ ኪንግደም ስልጠና ምስ ዝወስዱ ኣስታት 200 ዩክሬናውያን ወታደራት ክራኸቡ እዮም።
ብእመቤት ሲሳይ