ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ግዝኣታዊ ሓድነትን ሉኣላዊነትን ኢትዮጵያ፣ ድሕነትን ሰላምን ህዝባን ብዘተኣማምን ኩነታት እናሓለወ ደጀን ዝኾነ ትካል እዩ።
ብመንግስቲ መደመር እቲ ሰራዊት ንግዚኡ ዝሰማማዕ ንምግባር ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ሪፎርም ኣወዳድባ ሓይሊ ሰብን ዕጥቂን ነቲ ትካል ናብ ሓዱሽ ጫፍ ዓወትን ጥንካረን ኣብፂሑዎ እዩ።
ሉኣላውነትን ዶብን ሃገር ንምኽባር ዝተውህቦ ሃገራዊ ሓላፍነት ብልዑል ብቕዓት ንምፍፃም ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ብዙሓት ስራሕቲ ሪፎርም እናካየደ ፀኒሑ እዩ።
ኣብ ስራሕቲ ምኽባር ሰላምን ንስግኣታት ድሕነት ህዝቢ ቅልጡፍን ህዝባዊን ውግንንኡ ዘረጋገፀ ምላሽ ንመሃብ ዘኽእሎ ቁመና ዝተላበሰ ሰራዊት እዩ።
ሰራዊት መከላኸሊ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣወዳድባ፣ ብቕዓት ሓይሊ ሰብ፣ ቴክኖሎጂን ድልውነት ውግእን ሓደሽቲ ምዕራፋት ሰጊሩ እዩ።
ሰራዊት መከላኸሊ ኢትዮጵያ ዶብን ሰላምን ድሕነትን ሃገር ካብ ምሕላው ብተወሳኺ፤ ኣብ ተልእኾታት ምኽባር ሰላም ሕብረት ኣፍሪካን ሕቡራት መንግስታትን ቅድሚት ዝፅራሕ ተሳትፎ ኣለዎ።
ፖለቲካዊን ወታደራዊን ሚዛን እቲ ዞባ ብዝሕሉ መገዲ ሓይሉ እናሃነፀ ዝርከብ ትካል እንትኸውን፤ ህላወ ሃገር ካብ ምሕላው ጎና ጎኒ ንሰላምን ምርግጋእን ምብራቕ ኣፍሪካ ቁልፊ ግደ ምፀዋቱ ቀፂሉ ኣሎ።
ስግኣት ጥንፈኛ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምንካይን መንግስታዊ ትካላት ሶማልያ ንምጥንኻርን ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ፤ ልዑል መስዋእትነት ብምኽፋል ንዞባዊ ስግኣት ኣብ ምምካት ዘይትካእ ግደ ተፃዊቱ እዩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ መንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝነበረ ጎንፂ እዋን፤ ኣብ ከባቢ ኣብ ሙሉእ ብሙሉእ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝቖመ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ተዋፊሩ ምንባሩ ይዝከር።
በዚ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክፍጠር ዝኽእል ምፍሳስ ደም ኣብ ምዕጋት ዝነበሮ ግደ ናእዳ ማሕበረሰብ ዓለም ረኺቡሉ እዩ።
ኣብ ሩዋንዳን ቡሩንዲን ኣብ ዝነበሩ ሕድሕዳዊ ጎንፂታት ህይወት ዜጋታት ኣብ ምድሓን ብዘካየዶ ወፍሪ ምኽባር ሰላም ዝምስገን ሰራዊት እዩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ሰራዊት ምክልኻል ዶብ ሰገር ግብረ ራዕዲን ዝውውር ኣፅዋርን ኣብ ምክልኻል፣ ሓባራዊ ዞባዊ ድሕነት ንምሕላው ቀትሪን ለይቲን ኣብ ጥንቃቐ ብምቛም ከም ደጀን ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ።
ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምትሕብባር፣ ልውዋጥ ሓበሬታ፣ ሓባራዊ ሓለዋ ዶብን መደባት ስልጠናን ምክያድ ልሙድ ተግባር እቲ ሰራዊት እዩ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንሰላም ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘለዎ ቆራፅነት ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን፤ ነዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተግባር ዝፈፀሞም ስራሕቲ ምስክር እዮም።
እቲ ሰራዊት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ምትእስሳር ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳርን ልምዓትን ምቹውን ውሑስን ዞባ ንኽኸውን ዋሕስ ሰላምን ምርግጋእን ኮይኑ ዘመናት ተሻጊሩ ኣሎ።
ብመልካም ፈቃዱ