ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን ብሓባር ዘሰናእዎ ፅዋዕ ዓለም 2026 ሎሚ ምሸት ብዕሊ ምክያድ ክጅምር እዩ።
እዚ ብሃንቀውታ ዝተፀበናዮ ዋንጫ ዓለም ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን ሰለስተ ሃገራት ነዚ ውድድር ከተኣናግዳ እየን።
መርሃ ግብሪ ፅዋዕ ዓለም 2026 48 ሃገራት ዝሳተፋሉ እንትኾን፤ በዙይ እውን 104 ፀወታታት ክካየድ ኢዩ።
ብድምር 1248 ተፃወትቲ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ፅዋዕ ዓለም ክሳተፉ እዮም።
ኣብቲ መድረኽ ብዙሓት ኮኾባት ኣብዚ ናይ መወዳእታ ፅዋዕ ዓለም ክወዳደሩ ትፅቢት ይግበር።
ክሳብ ሕዚ 8 ሃገራት ጥራይ እየን ፅዋዕ ዓለም ዝሰዓዝራ እንትኾ፤ ብራዚል፣ ጣሊያን፣ ጀርመን፣ ኣርጀንቲና፣ ፈረንሳይ፣ ኡራጋይ፣ እንግሊዝን ስፔንን ኣብቲ መድረኽ ሻምፒዮን ምዃን ዝኽኣላ ሃገራት እየን።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ