ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ዶባት ንዞባዊ ሓድነት ከም ድልድል ኮይኖም ከገልግሉ ይግባእ ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ ኣማኻሪ ደሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ቀነአ ያደታ (ዶ/ር)፡፡
ምምሕዳር ዶባት ኢትዮጵያ ንምጥንኻርን ዶባት ዞባ ልምዓትን ሰላምን ንምግባር ዝዓለመ ብሄራዊ ጉባኤ ሎሚ ምክያድ ጀሚሩ።
ቀነአ ያደታ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ፃዕርታት ውሽጢ ዓዲ ካብ ስትራቴጂ ምምሕር ዶባት ሕብረት ኣፍሪካን ምስ ኣጀንዳ 2063ን ብምስምማዕ ዶባት ዞባታት ምትሕብባርን ብልፅግናን ክግበሩ ይግባእ፡፡
ዶባት ካብ ፀጥታዊ ስግኣትን ዘይሕጋዊ ንጥፈታትን ዝከላኸሉ ዓንዲ ደሕንነት ክኾኑ ከምዝግባእን ብምሕባር፤ ንዞባዊ ሓድነት ከም ድልድል ከገልግሉን ይግባእ ኢሎም።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ጃፋር በድሩ ብወገኖም፤ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘላቒ ምርግጋእ ንምፍጣር ዋና ከተማታት ጥራሕ ዘይኮነስ ዶባዊ ከባቢታትን ማሕበረሰባትን እውን ወሳኒ ግደ ከምዘለዎም ገሊፆም።
ብዘመን በየነ