ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መስመር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ተወሰኽቲ ስራሕቲ ንምክያድ ዘኽእል ስምምዕነት ሓገዝ ተፈራሪመን።
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ዘላቕነት፣ ውሕስነትን ብቕዓት ኣሰራርሓን እቲ መስመር ባቡር ንምዕባይ ዝውዕል 15 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክግበር እዩ።
ነቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ትዕግስት ፍስሃን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኤምባሲ ቻይና ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ሊዩ ዚያኦጓንግን ፈሪሞምዎ።
እቲ ሓገዝ ገንዘብ ኤሌክትሪክ ባቡራት ብምሉእ ናብ ስራሕ ንምእታው ዘኽእሉ ኣድለይቲ መለዋወጢ ኣቑሑት፣ ውሕስነት ቀንዲ መስመር ንምሕላው ዘገልግሉ ኣቑሑት ሓዲድን ጣቢያታትን ዝሓዘ እዩ።
ብተወሳኺ ንስሩዕ ምርመራን ፅገናን ሓዲድ ዘገልግሉ ኣሽናት ማሽነሪታት ክቐርቡ እዮም።
እዚ ስምምዕነት ኢትዮጵያን ቻይናን ዘለወን ድልዱል ቁጠባውን ልምዓታውን ሽርክነት ዘርኢ ምዃኑ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ፡፡