ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ግብፂ ግድብ ኣስዋን ኣብ እትሃንፀሉ እዋን ካብ 100 ሽሕ ንላዕሊ ሱዳናውያን ካብ መንበሪኦም ኣመዛቢላ እያ ኢሎም ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)።
ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፣ ግብፂ ብሓደ ኣፋ ክልተ መልሓስ እናተዛረበት ፤ኢትዮጵያ ብግቡእ ብዘይምፍላጥ ዝተፈላለዩ ክሲታት እኳ እንተቕረበት ዝኾነ መርትዖ ከምዘይብላ ገሊፆም።
ናብ ፒስ ካናል ዝበሃል ናብ ሲናይ ዝከይድ ካናል ብምህናፅ ኣብ በረኻ ማይ እናባኸነት፣ ከምኡ’ውን ኣስዋን ብምህናፅ ብትነት ብቢልዮናት ሜትር ኩብ ማይ እናጥፍአት ንሃገራት ላዕለዋይ ተፋሰስ ከምዘየማኸረት ኣብሪሆም።
ብሰንኪ ግድብ ኣስዋን ሎሚ ኣበይ ከምዘለዉ ዘይፍለጡ ሱዳናውያን ከምዘለዉ ብምሕባር፤ ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም መሬቶም ዝተወስደን ዝጠፍኡን ብዙሓት ከምዝኾኑ ገሊፆም።
መበቆል ስልጣነ ሱዳናውያን ዝኾኑ ሃፍትታት ብሰንኪ ግድብ ኣስዋን ተቐቢሮም ከምዝተረፉ ብምግላፅ ካብ 100 ሽሕ ንላዕሊ ኣብ ኑቢያ ሱዳን ዝነብሩ ሰባት ከምዝጠፍኡ ሓቢሮም።
ብእመቤት ሲሳይ