ጉዕዞ ዲጂታል ኢትዮጵያ ካብ ህንፀት ክእለት ክሳብ ሉኣላውነት ሃገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዘበንና ብቕልጡፍን ብዘይተቛረፀን መልክዕ እናዓበየ ዝርከብ ቴክኖሎጂ ኣንፈት ውድድር ዓለም ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ስራሕን ብዝለዓለ ደረጃ እናቐየረ ይርከብ።

ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢታት ኣህጉራት ዝሰግር ፍሰት ሓበሬታን ፋይናንስን ስራሕ ኣብ ርሑቕ ኮይንካ ንምምራሕ ዘኽእል ሓዱሽ ምህዳር ፈጢሩ እዩ።

እዚ ድማ መድረኽ ውድድር ዓለም ማዕረ ብምግባር ክእለት ንዝዓጠቓ ሃገራት ሰፊሕ ዕድል እንትኸፍት ንኢትዮጵያ እውን ዓዪ ዕድል ሒዙ መፂኡ ኣሎ።

ሓይሊ ሰብ ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኻዊ ዕዳጋ ስራሕ ኣብ ምርኻብ ልዑል ግደ ይፃወት።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ነዚ ሓቂ ብምግንዛብ መርሓ ግብሪ ሓሙሽተ ሚልዮን ኮደርስ ብምትግባር ርኡይ ውፅኢት ክተመዝግብ ክኢላ እያ።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምዕባለ ኢትዮጵያ ክረጋገፅ ዝኽእል ንፅባሕ ክጠቅም ዝኽእል ኣረኣእያን ብቕዓትን ዘለዎም መናእሰይ ምፍራይ እንትንክእል ጥራሕ ኢዩ ምባሎም ኣይርሳዕን።

ሎሚ ሃገራት ንኹሎም ከይዲታት ልምዓት ምድጋም እንተየድለየን ብቐጥታ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ምስግጋር ዕድል ዘለወን ስለዝኾና ኢትዮጵያ እውን ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ምስ ናይ ባዕላ ድሌትን ኩነታትን ኣብ ምጥዕዓም ትርከብ።

ካብዚ ብተወሳኺ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ሉኣላዊነት ሃገር ኣብ ምሕላው ልዑል ግደ እንትህልዎ፤ ኣብ ዲጂታላዊ ዓለም ናይ ዜጋታት፣ ንግዲን መንግስቲን ዳታ ከም ዓብዪ ሃገራዊ ሃፍቲ ይቑፀር።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዳታ ምቁፅፃር ከም ከም ማይን ወርቂን ምክልኻል ዝበለ ናይ ሉኣላዊነት ጉዳይ ምዃኑ ብምፅራሕ ወሰንቲ መሰረተ ልምዓታት ብሃገር በቆል ቴክኖሎጂታት ንኽህነፁ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም ነይሮም።

ሚኒስተር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ብወገኖም፤ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ክዕወት ዝኽእል ፅኑዕ መሰረተ ልምዓት፣ ተበፃሕነት ኢንተርኔትን ዲጂታል ክእለት ዜጋታትን ብሓባር ክህሉ ከሎ ምዃኑ ኣብሪሆም እዮም።

ክእለት ኣብ ዘይብሉ ዝህነፅ ምህዳር ድማ ፍልልይ ፍልጠት ከስፍሕ ስለዝኽእል ንምዕባለ ሓይሊ ሰብ ቀዳምነት ምሃብ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ጉዕዞ ዲጂታል ኢትዮጵያ ፅግዕተኛነት ቴክኖሎጂ ብምንካይ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ መፍትሒታት ብደቃ ንኽትፈጥር ሓዱሽ ዕድል ከፊቱላ እዩ።

ብምዃኑ ድማ ሎሚ ኣብ መናእሰይ ዝዝራእ ዘሎ ዘርኢ ቴክኖሎጂ ፅባሕ ብተግባር ብሩህ ተስፋ ሃገርን፣ ዲጂታል ሉኣላዊነትን ኢኮኖሚያዊ ናፅነትን ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ዓብዪ መሰረት ክኸውን እዩ።

ብዮናስ ጌትነት

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment