ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ጣቢያታት መረፃ ይዕዘቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ  ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት መረፃ ይዕዘቡ ኣለዉ፡፡

መራሒት እቲ ጉጅለ ተዓዛቢ ስፔሲዮዛ ዋንዲራ ካዚብዌ (ዶ/ር) ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ጣቢያታት መረፃ ኣከፋፍታን ከይዲ ሓፈሻዊ መረፃን ተዘዋዊረን ተመልኪተን።

እተን መራሒት ፈላማይ ትዕዝብተን ዝገበራ ኣብ ክልል መረፃ 17፣ ወረዳ 3 ኣብ ዝርከብ ጣቢያ መረፃ ሻላ ፓርክ ቁፅሪ 1 እንትኸውን÷ በዚ ድማ ናውቲ መረፃ ከምዝተማልኡ፣ ኣከፋፍታ እቲ ጣቢያ ሕጋዊ ስነ ስርዓትን ጅማሮ ኣወሃህባ ድምፂን ብቕርበት ተዓዚበን።

ጉጅለ ተዓዛቢ መረፃ ኢጋድ እናተኻየደ ዝርከብ ከይዲ ምሃብ ድምፂ፣ ተሳትፎ መረፅቲ፣ ጣቢያታት መረፃ ንጉዱኣት ኣካልን ኣረጋውያንን ምቹው ምዃን ከምኡ እውን ሓፈሻዊ ፀፅታን ሃዋህው እቲ መረፃ ብቕርበት እናተኸታተለ ከምዝቕፅል ሓበሬታ ኢጋድ የመልክት።

#ኢትዮጵያ #ኢትዮጵያትመርፅኣላ #ብመረፃጥራሕ #ፋናዲጂታል #Election #fanadigital #Ethiopia #Ethiopiavotes #Democracy #fanatelevision

Comments (0)
Add Comment