ኣዲስ ኣበባ፣ ግንቦት 10፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ጋንታ ሪያል ማድሪድ ንነበር ኣሰልጣኒኣ ጆዜ ሞሪንሆ ዳግም ንምሻም ከምዝተስማዕመዐት ተሓቢሩ፡፡
እቲ ዓመተ ውድድር ምስ ጋንታ ሃገሮም ቤኒፊካ ዘሕለፉ ፖርቹጋላዊ ኣሰልጣኒ ጆዜ ሞሪንሆ፤ ናብ ነበር ገዝኦም ሳንቲያጎ ቤርናባው ንምምላስ ተስማዕሚዖም፡፡
እቶም ኣሰልጣኒ ኣብ ሪያል ማድሪድ ንክልተ ዓመት ዘፅነሖም ውዕሊ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልቲታት ከምዝፍርሙ ስካይ ስፖርት ፀብፂቡ፡፡
ጆዜ ሞሪንሆ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2010 ክሳበ 2013 ንማድሪድ ኣብ ዝመርሑሎም ሰለስተ ዓመታት ሓደ ፅዋዕ ላሊጋ፣ ስፔን ሱፐር ካፕን ኮፓ ዴል ሬይን ተዓዊቶም፡፡