ፃዕሪ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ ዝገፍዐ ዘይሕጋዊ ህወሓት

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ንህዝቢ ትግራይ ኩለመዳያ ቅልውላው እናመርሖ ዝርከብ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ ምስረታኡ ጀሚሩ ብዘይ ኲናትን ኣብ ስልጣንን ክነብር ዘይኽእል ፀረ ዴሞክራሲያዊ ጉጅለ እዩ።

ሰላም ዘይደሊ ዘይሕጋዊ ህወሓት፤ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ንምብራቕ ኣፍሪካ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ ዘቕረብዎ ፃዕሪ ሰላም ብተደጋጋሚ ውድቂ ገይርዎ እዩ።

ፍሉይ ልኡኽ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ሓላፍነቶም እናተዋፅኡ ዝርከቡን ኣብ ፖለቲካ ኣፍሪካ ድማ ንነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ዘለዎም እዮም።

ኦባሳንጆ ንተልእኾ ሕብረት ኣፍሪካ ንምፍፃምን ኣብ ምሉእ ኣህጉር ዘለዎም ሰፊሕ ፖለቲካዊ ተመኩሮ ብምቕዳምን እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ ዝሓሰቦ ናይ ጥፍኣት ተልእኾ ክቑጠብ ብተደጋጋሚ ናብ መቐለ ንሽምግልና ኣምሪሖም።

እንተኾነ ግን ብዘይ ኲናት ህልውንኡ ንከቕፅል ዘይኽእል ዘይሕጋዊ ህወሓት ንፃውዒት ሰላም ኦባሳንጆ “ዘይሻራዊን ግልፅነትን ዝጎደሎ” ብምባል ነቒፍዎ።

ኦባሳንጆ እቲ ጉጅለ ዘቕረቦ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፣ ካብ ተልእኾ ሰላም ወፃኢ ካልእ ዕላማ ከም ዘይብሎም ብምሕባር እቲ ዘይሕጋዊ ህወሓት ነቐፌታ መሰረት ዘይብሉ ከም ዝኾነን እቲ ጉጅለ ድማ ንሰላም ዝኾነ ዓይነት ድሌት ከም ዘይብሉ ዘርኢ ምዃኑን ገሊፆም።

ኣብ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ፣ መራሕቲ እቲ ጉጅለ ምስ ናይ ኦባሳንጆ ሓሳባት ዘተ ተሰማሚዖም ከም ዝነበሩ ብምዝካር፤ ሕዚ ግን ሓድ ሓደ ኣመራርሓ ዘይሕጋዊ ህወሓት ንኦባሳንጆ ኣብ እዋን ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዘካየድዎ ፃዕሪ ከም ዘቃልሉ እናሰምዑ ምዃኖም ሓቢሮም።

ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ንምትግባር ድሌት ከም ዘይብሉ ብተደጋጋሚ ዘረጋገፀ ኮይኑ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ሓይሊ ተዋጋኢታቱ እንደገና ብምውዳብ ንኲናት እናጎስጎሰ ይርከብ።

እዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ማሕበረሰብ ዓለምን ሕብረት ኣፍሪካን ዓብዩ መስዋእቲ ከፊሎም ዘዐወትዎ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ብምጥሓሱ እቲ ጉጅለ ንሰላማዊ ዘተ ይኹን ንሰብኣዊ ክብርታት ዝኾነ ይኹን ኣለዎታ ከም ዘይብሉ ዘርኢ እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ህወሓት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተኻየዱ ፃዕርታት ሽምግልና ብተደጋጋሚ ውድቂ ምግባሩ ዝዝከር እዩ።

እቲ ጉጅለ ብኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ሓዊሱ ካብ ኤውሮፓን ሕብረት ኣፍሪካን ከምኡ እውን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝቐረበሉ ፃውዒት ሰላም ብዘይምግዳስን ገፊዕዎ እዩ።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ታሪኹ ፍልልያት ብዘተ ፈቲሑ ዘይፈልጥ፣ ንህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላም ኣየር ክተንፍስ ድሌት ዘይብሉ ጉጅለ እዩ። ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዳግማይ ኲናትን ጅምላ ህልቂትን ንምድጋን ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ እውን ሓቢሩ እናሰርሐ ይርከብ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሰላምን ልማትን ዘድልዮ ብምዃኑ፣ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዘንፀላለዎ ናይ ኲናት ሓደጋ ንምድሓን፣ ኩሉ ሰብ ናይ ወገኑ ሓላፍነት ክዋፃእ ይግባእ።

ብሚኪያስ ኣየለ

Comments (0)
Add Comment