ፅምዶ መጥቀሚ መሳርሒ ውልቀ መላኺ መንግስቲ ኤርትራ እዩ – ኤርትራዊ መንቅሒ ማሕበረሰብ ኢዩኤል ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅምዶ መጥቀሚ መሳርሒ ውልቀ መላኺ መንግስቲ ኤርትራ እዩ ኢሉ ኤርትራዊ መንቅሒ ማሕበረሰብ ኢዩኤል ዮሃንስ።

መስራቲ ሰማያዊ ማዕበል ዝተሰነየ ኣብ ዴሞክራሲን ፍትሒን ንኸዓስል ዝሰርሕ ትካል ዝኾነ ኢዩኤል ዮሃንስ ምስ ፋና ዲጂታል ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዝወደቦ ፅምዶ ዝተብሃለ ጥምረት መጥቀሚ ረብሓ ፃምእ ስልጣን ዘለዎም ሰባት እዩ ኢሉ።

እቲ ምተእኽኻብ ድሌትን ረብሓን ህዝቢ ዝሕሉ ዘይኮነስ ብተፃራሪ መከራ ህዝቢ ዘናውሕን ልምዓት ዘጥፍእን ናይ ኲናት ሕብረት እዩ ክብል ገሊፁ።

ናይ መጥፋእቲ ሓይሊት እኩብ ዝኾነ ፅምዶ፤ ምትእስሳሩ ኣብ ወታደራዊ፣ ፖለቲካዊ ከምኡ እውን ኣብ መዳይ ቴክኒክ ዝድግፎንና ዝመርሖን ውልቀ መላኺ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ግልፂ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ዕላማ እቲ እኽብካብ ፀረ-ሰላም፣ ፀረ-ልምዓትን ፀረ-ዴሞክራሲን ብዝኾነ መገዲ መናውሒ ዕድመ ስልጣን ብውልቅምልኪ ንህዝቢ ዝገዝእ ምምሕዳር ሻዕቢያ መሳርሒ ምውዓል ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝደልዮ ሰላም ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ መንቅሒ ማሕበረሰብ ኢዩኤል ዮሃንስ፤ ብሽርሒ ሻዕቢያ ዝመፅአ ፅምዶ ምብራቕ ኣፍሪካ ንምሕማስን ናይ ጎንፂ ዞባ ንምግባርን ዝዓለመ ናይ ጥፍኣት እኩብ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ፡፡

እቲ ጥምረት ንሒደት ኣመራርሓ ሻዕቢያን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓትን ናይ ስልጣን ከለላ ዝህብ እምበር ንህዝቢ ጠጠው ዝበለ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ እቲ እኽብካብ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ኣይረኸበን ኢሉ፡፡

ኣብ ዙሪያ ፅምዶ ዝተኣኻኸቡ ሓይሊታት ንመፈፀሚ ኣጀንዳን ተለኣኣኺን ሻዕቢያ ብምዃን ናይ ባዕሎም ህዝቢ ንጥፍኣት አሕሊፎም እናሃቡ ከምዝርከቡ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ፌደራል ተደጋጋሚ ፃውዒት ሰላም እናገበረ ከምዝርከብ ብምዝኽኻር፤ ንህዝቢ ዝሓስብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዕድል ሰላም ክጥቀም ይግባእ ኢሉ።

ብምህረት ደምሴ

Comments (0)
Add Comment