ፕሬዚዳንት ታዬ ሰብሃፍቲ ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ሰብ ሃፍቲ ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስትመንት ንኽሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዱባይ ሕቡራት ኤምሬታት ዓረብ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓመታዊ ዓለም ለኸ ጉባኤ ኢንቨስትመንት ጎኒ ንጎኒ፤ ምስ ኣባል ቦርድ ቻምበር ኳታር ዓሊ ቢን ዓብዱላቲፍ ኣል ሚስናድ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ሰብ ሃፍቲ ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ፣ ጥዕና፣ ህንፀት መሰረተ ልምዓት፣ ኣገልግሎትን ካልኦት ኣማራፂታት ኢንቨስትመንትን ተሳትፎኦም ንኸዕብዩ ኣብ ዝኽእሉሉ ጉዳይ ዘድሀበ እዩ።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ንምስሓብን ምቹው ከባቢ ኢንቨስትመንት ንምፍጣርን ብትኹረት እናሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ወፍሪ ሃፍቲ ኳታር ኣብታ ሃገር ዘሎ ምቹውን መኽአሊን ኣማራፂ ኢንቨስትመንት ንኽጥቀሙሉን ርክቦም ድማ ዝያዳ ንኽጠናኽሩን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባል ቦርድ ቻምበር ኳታር ዓሊ ቢን ኣብዱላቲፍ ኣል ሚስናድ ብወገኖም፤ ሰብ ሃፍቲ ኳታር ኣብ ዓውዲ ሕርሻ፣ ጥዕና፣ ህንፀት መሰረተ ልምዓት፣ ብፍላይ ኣብ ህንፀት ኣባይቲን ዲጂታል ልምዓትን ንምስታፍ ድሌት ከምዘለዎም ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምቹው ናይ ኢንቨስትመንት ከባቢ ንሰብ ሃፍቲ ኳታር ክጥቀሙሉ ንምግባርን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment