ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ)ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ዘይምርድዳእ ብምፍታሕ ዝተረጋገአትን ሓድነታ ዝጠንከረን ሃገር ንምህናፅ ዘኽእል እዩ ኢሎም ምሁራን ዩኒቨርሲቲ ጅማ።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መምህር ነፅናዕቲ ፖሊሲን መሪሕነትን ፍሬው ኣምሳሉ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ፤ ከይዲ ህንፀት ሃገር ምስ ምህናፅ ሓባራዊ መንነት፣ ምርግጋፅ ወናንነት ሃገርን ምእራም ታሪኻዊ ስሕተታትን ዝተኣሳሰረ መስርሕ እዩ።
ህንፀት ሃገር ትካላት ሕጊ፣ ባህሊን ፖለቲካን ብምጥንኻር ንኹሎም ዜጋታት ማዕረ ዕድል ዝህብ ስርዓት ምፍጣር ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብዚ ከይዲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ተሳትፎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብሪሆም።
እቲ ዘተ ኣብ መንጎ ብዙሕነትን ሓድነትን ግቡእ ሚዛን ብምሕላው፤ ሓባራዊ ስምዒት ኢትዮጵያውነት ንምጥንኻር ከምዝሕግዝ ገሊፆም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅማ መምህር ስነ ምሕደራ በዳሳ ፍራጃ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ እቲ ሃገራዊ ዘተ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ኣጠናኺርካ ንምቕፃን ወሳኒ መሳርሒ ከምዝኾነ ኣፅንኦት ሂቦም።
ኢትዮጵያ መግለፂት ህብረ ብሄራውነት ሃገር ምዃና ብምፅራሕ፤ ቅድሚ ሕዚ እታ ሃገር ፀገማት ብምዝታይን ብዘተን ናይ ምፍታሕ ባህሊ ከምዝነበረ ኣመልኪቶም።
እቲ ከይዲ ኣብታ ሃገር ዝፀንሑ ዝተሓላለኹ ጉዳያት ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ብምዝታይ ብዘላቒ መንገዲ ንምፍታሕ ዕድል ዝፈጥር መስርሕ ምዃኑ ገሊፆም።
እቶም ምሁራን ባህሊ ዘተ ብምድንፋዕ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምዕዋት ኣማራፂ ዘይብሉ መገዲ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።
እቲ ምኽክር ድምፂ ዜጋታት ብምስማዕ ኣብ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ምምሕደራ ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ልዑል ዕድል ከምዝፈጥር ገሊፆም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝኣከቦም ኣጀንዳታት ናብ ሸሞንተ ዋና ኣጀንዳታት ብምኽፋል፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 4 ሺሕ ተሳተፍቲ ዝሳተፉሉ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኣብ ምካያድ ከምዝርከብ ይፍለጥ።
ብተስፋሁን ከበደ