ህዝቢ ትግራይ ብዘይሕጋዊ ህወሓት ዝበፅሖ ግፍዒ ንምንጋፍ ቃልሱ ከጠናኽር ይግባእ – ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ብዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሕ ግፍዒን መከራን ንምንጋፍ ህዝቢ ዝጀመሮ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ተሓታትነት ክሰፍን ክገብር ይግባእ ኢሎም ኣባል ቤት ምኽሪ ፓርቲ ስምረትን ምክትል ሓላፊ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም ።

ኣይተ ጠዓመ ከምዝገለፅዎ፣ እቲ ጉጅለ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብምፍራስ፣ ምስ ፅንፈኛታት ከምኡ እውን ሻዕቢያን ግብፅን ብምትሕብባር ሰላምን ድሕነትን ኢትዮጵያ ንምዝራግ ተንኮል እፈሓሰ ይርከብ።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብ ዓቢይ ስርቂን ሃፍቲ ምሕባእን ተግባራት ዝተዋፈረ፣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ግፋን ማእሰርትን ዘካይድ ናይ ሰረቕቲ ጉጅለ ምዃኑ ሓቢሮም።

ብኣንፃሩ ህዝቢ ትግራይ፣ መንእሰያትን ዲያስፖራን ኣብ ቤተ እምነታትን መራኸብቲ ሓፋሽን እኩይ ሽርሒ እቲ ጉጅለ ብትሪ እናኾነኑ ከምዘለዉ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ነቲ ህዝቢ ካብ ጉስቁልና ንምድሓን ዘርኣዮ ትዕግስቲ ዝነኣድ ምዃኑ ዝሓበሩ ኣይተ ጠዓመ፣ ኣብ ቀፃሊ ልዕልነት ሕጊን ተሓታትነትን ክሰፍን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብተወሳኺ ፓርቲኦም ሽርሒ እቲ ጉጅለ ናይ ምቅላዕ ስራሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ብምሕባር፣ ህዝቢ ትግራይን መንእሰያትን ዝጀመርዎ ተቓውሞ ብምጥንኻር ሕልሚ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ከፍሽሉ ፃውዒት ከምዘቕረቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment