ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ህዝቢ ትግራይ ናይ ጥፍኣት መርበብ ብዝዘርግሑ ፅምኢ ስልጣን ብዘለዎም ሒደት ገበነኛታት ተዓጊቱ ይርከብ ኢሎም ሚኒስትር ኣማኻሪ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ጌታቸው ረዳ፡፡
ኣብ እዋናዊ ኩነታት ምንቅስቓስ ሰላምን ልምዓትን ክልል ትግራይ ከምኡ እውን ኣብ ተረባሕነት ህዝቢ ዘድሀበ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ጥንኩር ባህሊ ስራሕ ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ብምኽንያት ሒደት ጉጅለ ገበነኛታት ካብ ተረባሕነት ልምዓት እታ ሃገር ከምዝተገለለ ኣልዒሎም፡፡
ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ልምዓት ናይ ምትዕንቓፍ ምንቅስቓስ ብምኹናን ህልውና እቲ ክልል ምርግጋፅ ልዕሊ ኣፈላላይ ፖለቲካ ብኹሎም ኢትዮጵያውያን ሓበራዊ ኣጀንዳ ክኸውን ይግባእ ኢሎም፡፡
ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ እናተወገኑ ዝርከቡ ዝበረታትዑ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ክልል ትግራይ ንነዊሕ እዋን ተበፃሕቲ እንተይኮኑ ምፅነሖም ከምዘተሓሳስቦም ብምግላፅ፥ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ክዓስል ምግባር ንቀፀልቲ ስራሕቲ ልምዓት መሰረት ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡
ኣብ ትግራይ ስራሕቲ ልምዓት ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ፈለማ ንሰላም ቅድሚት ምሃብ ከምዘድሊ ኣፅንኦት ሂቦም።
ብግዛቸው ግርማዬ