5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥዕና ህዝቢ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)5ይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥዕና ህዝቢ ኣፍሪካ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ ጉባኤ “ድሕንነትን ሉዓላውነትን ጥዕና ኣፍሪካ፤ ካብ ፅግዕተኝነትን ተቓላዕነትን ጥዕና ናብ ዋንነትን ፅንዓትን ዝግበር ስግግር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ኣብቲ ጉባኤ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ፣ ክኢላታት ጥዕና ሕብረተሰብን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ መፃኢ ራኢ ጥዕና ኣፍሪካ ንምስጓም ምድረ ቀደምት ኣብ ዝኾነት ኢትዮጵያ ተኣኪቦም ይርከቡ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዘመልክቶ፤ ዲፕሎማሲያዊት ርእሰ ከተማ ኣፍሪካ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ እቲ ቲ ጉባኤ ብምትንጋድ ዳግም ማእኸል መፃኢ ዕድል ኣፍሪካ ኮይና ኣላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment