ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝወሃበና ሃገራዊ ግቡእ ብውፅኢታውነት ብምፍፃም ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ድሉዋት ኢና ኢሎም ካብ ማእኸል መሰልጠኒ እዚ ፍሉይ ወፍሪታት ዝተመረቑ ኮማንዶታት መሰረታዊ ኮርስ ፅንዓት።
ማእኸል ስልጠና እዚ ፍሉይ ወፍሪታት ንመበል 45 ዙር ዘሰልጠኖም “ኮማንዶታት መሰረታዊ ኮርስ ፅንዓት” ትማሊ ኣመሪቑ።
ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይልታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን፤ ሓይሊ ኣየር ወለድን ኮማንዶን ብኣካላዊ ብቕዓቱ፣ ብፅንዓቱን ልዑል ወታደራዊ ፍልጠቱን ኣንፈት ውግእ ክቕይር ዝኽእል ሓይሊ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ተመረቕቲ ኣባላት መሰረታዊ ኮርስ ኮማንዶ ብወገኖም፤ ብዝወሰድዎ ስልጠና ልዑል ወታደራዊ ተሞክሮን ክእለትን ከም ዝቐሰሙ ገሊፆም።
ካብ ሞንጎ ተመረቕቲ መሰረታዊ ኮማንዶ ሓደ ዝኾነ ኣብዱልሰላም ስዩም፤ ሃገር ብዘይ ህዝቢ፣ ህዝቢ ብዘይ ሃገር ተፈላልዮም ክርኣዩ ኣይክእሉን ኢሉ።
ሉኣላውነት ሃገርን ህዝቢን ተሓልዩ ንኽቕፅል ካብ ወታደር ብዙሕ ትፅቢት ከምዝግበር ብምግላፅ፤ ሃገርካ ብምፍቃር ብወታደርነት ምግልጋል ክብሪ ብምዃኑ ብዝረኸቦ ወታደራዊ ስልጠና ሃገሩ ንምግልጋል ድሉው ምዃኑ ኣረጋጊፁ።
ንኢትዮጵያ ብወታደራዊ ሞያ ንምግልጋል ብፅንዓት ዝወሰደቶ ስልጠና ብምዝዛማ ሓጎሳ ከም ዝተሰምዓ ዝገለፀት ድማ መሰረታዊ ኮማንዶ ፋንታዬ ያደታ እያ።
ብዝወሰደቶ ወታደራዊ ስልጠና ኢትዮጵያ ኣብ እትደልዮ ዝኾነ ይኹን ሃገራዊ ግቡእ ሓላፍነታ ብብቕዓት ንምፍፃም ድልውቲ ምዃናፃውን ገሊፃ።
ካልእ ተመራቒ መሰረታዊ ኮማንዶ ዳግም ዳዊት ብወገኑ፤ ኣብ ግዜ ስልጠና ብቑዕ ወታደር ንኽኸውን ዘኽእሎ ትምህርቲን ተሞክሮን ከም ዝረኸበ ተዛሪቡ።
ስልጠናኡ ብኣግቡእ ብምዝዛሙ ከምዝተሓጎሰን ኣብ ቀፃሊ ድማ ሰላም ሃገር ንምሕላው ድልው ምዃኑን ኣፍሊጡ።
መሰረታዊ ኮማንዶ ቃልኪዳን ጌታሁን ብግደኣ፤ ኣብ ማእኸል ስልጠና እዚ ፍሉይ ወፍሪታት ዝወሰደቶ ወታደራዊ ስልጠና ሃገራ ንምግልጋል ብቕንዕትን ድሉውቲን ከምዝገበራ ተዛሪባ።
ብዘጥረየቶ ወታደራዊ ዓቕሚ ዝወሃባ ሃገራዊ ግቡእ ብውፅኢታውነት ንምፍፃም ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊፃ።