ልምዓት ኣባይቲ ናብ ዘበናዊን ቅልጡፍን ኣማራፂታት ምስግጋር ተኻኢሉ – ረሻድ ከማል (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ ነሓሰ 20፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ብዝተኻየደ ትካላዊ ምምሕያሽ ልምዓት ኣባይቲ ናብ ዘመናዊን ቅልጡፍን ኣማራፂታት ምስግጋር ተኻኢሉ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፌዴራል ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ረሻድ ከማል (ዶ/ር)።

ኣባላት ማኔጅመንት ኮርፖሬሽን ሚዲያ ፋናን ፌዴራል ኮርፖሬሽን ኣባይቲን ትካላዊ ምምሕያሽ ከምኡ’ውን ኣብ ዘፈራት ልምዓት ኣባይቲን ኣፈፃፅማ ስራሕን ዘመዝገቦም ውፅኢታት ተዓዚቦም።

ረሻድ ከማል (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፣ እቲ ትካል ኣብ 50 ዓመታት ጉዕዞኡ ዘጠናኸሮ ተሞክሮ ምስ ትካላዊ ምምሕያሽ ብምውህሃድ ልምዓት ኣባይትን እቶት መዕበይ ስራሕቲን እናስፋሕፍሐ ይርከብ።

እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዘካየዶ ምምሕያሽ ፕሮጀክታት ፒያሳን ጎልድ ሳይትን ተዛዚሞም ኣገልግሎት ክህቡ ከምዝጀመሩ ኣረዲኦም።

ምስ ዓማዊል ብምትሕብባር ዝተሃነፁ ናይ ንግዲ ኣባይቲ ናብ ኣገልግሎት ኪራይ ከምዝኣተዉን ተወሳኺ እቶት ንምርካብ ከምዝጀመረን ተዛሪቦም።

እቲ ምምሕያሽ ንትካሉ ካብ ዝነበረ ዝተጓተተ ኣሰራርሓ ብምልቃቕ ባህሊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ክመሓየሽ፣ ምምሕዳር ንብረትን ኣባይትን ንክዝምን፣ ፍልፍላት እቶት ክሰፍሑን ኣብ ውፅኢት ዝተመስረቱ ክኾኑን ከምዝኸኣለ ሓቢሮም።

በዚ መሰረት ድማ ልምዓት ኣባይቲ፣ ዕቤት እቶት፣ ዓቕሚ ኣፈፃፅማን ዘበናዊ ስርዓት ምምሕዳር ኣባይትን ግሁድ ውፅኢት ክመዝገብ ከምዝተኻእለ ገሊፆም።

ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ህንፀት 3ዲ ንምስፋሕ መፈተኒ ኣባይቲ ምህናፅ ከምዝጀመሩ ብምሕባር፣ ብዝተኻየዱ ስራሕቲ እቲ ትካል ኣብ ውሽጣዊ ኣሰራርሓ ጥራይ ዘይተወሰነ ናይ ገዛ ልምዓት ናብ ዘበናዊን ቅልጡፍን ኣማራፂታት ምስግጋሩ ኣብሪሆም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ሚዲያ ፋና ኣይተ ቸሩጌታ ገነነ ብወገኖም፣ ሚዲያ ሃገርን መንግስትን ንምህናፅ ካብ ምጥንኻር፣ ኣንፈታት ልምዓት ካብ ምስፋሕን ኣብ ትካላት ዝምዝገቡ ግሁድ ለውጥታት ንህዝቢ ካብ ምፍላጥን ኣንፈት ልዑል እጃም ከምዘለዎ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment