ንኣስታት 40 መዓልታት ካብ ኣርባዕቲኦም ኩርናዓት ዝተኣኻኸቡ ደቃ ኣብ ሓደ ክቢ ጠረጴዛ ተመያይጦምን ተመኻኺሮምን ሓዱሽ ታሪኽ ፅሒፎም ኣለዉ።
ብዛዕባ ሓባራዊት ገዛና ብዛዕባ ኢትዮጵያ መፃኢ ግዘን ሓድነትናን ክብሉ ተዛቲዮም፣ ተደማሚፆምን ሓሳባት ኣበርኪቶምን። እዚ ኣብ ታሪኽ ሃገርና ከምዚ ዝበለ ተግባር ተኻይዱ ዘይፈልጥ፣ ሓሱሽ መድረኽ ፖለቲካ ዝኸፈተ ተግባር እዩ ክበሃል ይከኣል።
እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ዘጋጠሙዋ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ኣፈላላያት ብዘተን ህዝባዊ ስምምዕነትን ንምፍታሕ ዝጀመረቶ ሃገራዊ ከይዲ ዘተ፣ ንሰላምን ዘላቒ ልምዓትን እታ ሃገር ወሳኒ ምዕራፍ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) “ጉዕዞ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብሓይለ ቃል ጀሚሩ ብሓይሊ ስጉምቲ ዝውዳእ ዑደት ሰቢርና ብዝርርብን ዘተን እንትከአሉ እዋን ንርከብ” ከም ዝበሉዎ፤ እዚ ከይዲ ድማ ባህሊ ፖለቲካ እታ ሃገር ካብ ዑደት ኣማራፂ ሓይሊ ጎንፂን ናብ ሰላማዊ ዘተን ምድማምፅን ንምቕያር ዝዓለመ ዓሚቝ ታሪኻዊ ፃዕሪ እዩ።
ኣብቲ ከይዲ ዘተ ንሃገርን ንኣህጉር ኣፍሪካን ክጠቕሙ ዝኽእሉ ብዙሓት ኣብነታት ተወሲዶምሉ። ካብኣቶም ድማ እቲ ቀዳማይ ዜጋታት ኣብ ኣፈላላያቶምን ሕቶታቶምን ሕድሕዶም ዝደማምፁሉን ዝከባበሩሉን ባህሊ ምዕባዩ እዩ።
ነዊሕ ዕድመ ዘለዎም ዓመቑቲ ፍልልያት ብሓይሊ ንምፍታሕ ካብ ዝተገበሩ ታሪኻዊ ጌጋታት ብምውፃእ፤ ተቐራሪብካ ብምዝርራብ ሓባራዊ ፍታሕ ምድላይ ዘላቒ ሰላም ከም ዘምጽእ እውን እቲ መስርሕ ብተግባር ኣርእዩ።
ካሊእ ካብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኽበ ተሞክሮን ትምህርቲን፤ ተሳትፎን ህዝባዊ ወናንነትን እቲ ዘተ እዩ። እቲ ከይዲ ሃገራዊ ዘተ ካብ ኣርባዕቲኦም ኩርናዓት ዝመፅኡ ተሳተፍቲ ዘተ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ብሰፊሑ ከሳትፍ ብምኽኣሉ፣ እቲ ዘተ ናይ ውሑዳት ፖለቲካዊ ምሁራትን መራሕትን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ድምፂ መላእ ህዝቢ ዝተሰምዐሉ ንኽኸውን ኣኽኢሉዎ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ህንፀት ሃገረ መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ጉዳያትን ብግልፂ ናይ ምዝርራብ ተሞክሮ ምዕባዩ እንትኸውን፤ እዚ ድማ ንሰላም፣ ሓድነትን ልምዓትን ኢትዮጵያ ዘተኣማምን መሰረት ዘንብር እዩ።
ኢትዮጵያውያን ነዚ ዘንፀባርቕ ዓወት ብግቡእ ብምሕላው፣ ዝያዳ ዕዉት ንኽኸውን ንቑሕ ተሳትፎ ኩሎም ኢትዮጵያውያን የድሊ።
እዚ ዓወት ኣብ ምሕላው ሰላም፣ ሃገራዊ ረብሓታትን ድኽነት ኣብ ምስዓርን ዝግበር ቃልሲ ብትግሃት ክድገም ይግባእ።