ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ኣፍሪካን በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ን ኣብቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ምትሕብባሮም ብዝበለፀ ንምጥንኻር ተሰማሚዖም፡፡
ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ልምዓት በይነ-መንግስታት (ኢጋድ)ን ኣብ ምርግጋጽ ሰላምን ጸጥታን እቲ ቀጣና ዘለዎም ምትሕብባር ዝያዳ ንምጥንኻር ተሰማሚዖም።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሞሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ተዘራሪቦም።
ኣብቲ ዝገበርዎ ዘተ ድማ፤ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ፀፅታን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ተመያይጦም።
ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፤ ኣብ ሱዳን ሰላም ንምዕሳል ፃዕሪ እናገበረ ምስ ዝርከብ ልኡኽቶ ሰላም ሱዳን ዝነበሮም ርክብ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።
ኣብቲ ዘተ ድማ ኣብ ሱዳን ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፤ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪካን ዘለዎም ምትሕብባር ንምጥንኻር ኣብ ስምምዕነት ከም ዝበፅሑ ሓበሬታ እቲ ሕብረት የመላኽት።
ብሚኪያስ ኣየለ