መራኸቢ ሓፋሽ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ብምሕላው ተኣማኒ ሓበሬታ ከቕርቡ ይግባእ – ወ/ሮ ሃይማኖት ዘለቀ

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥቅምቲ 26፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) መራኸቢ ሓፋሽ ረብሓ ህዝብን ሃገርን ብምሕላው ተኣማኒ ሓበሬታ ከቕርቡ ይግባእ ኢለን ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ሃይማኖት ዘለቀ።

በዓል መዚ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገርና ንመጀመርታ እዋን ዝተሃነፀ ማእኸል ልህቀት ሚድያ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ መሪቑ።

እተን ዋና ዳይሬክተር ኣብቲ ኣጋጣሚ ከምዝገለፀኦ፤ እቲ ማእኸል ኣብቲ ዘፈር ዘለዉ ክፍተታት ሞያ ንምምላእን ጋዜጠኛታት ዓሚቝ ፍልጠት ክህልዎም ንምኽኣልን ዝሕግዝ እዩ።

ሚድያታት ረብሓ ህዝብን ሃገርን ብምሕላው ሚዛናውን ተኣማንን ሓበሬታ ንኸቕርቡ እቲ ማእኸል ወሳኒ ግደ ከምዝፃወት ገሊፀን።

እቲ ማእኸል ዓቕሚ ዘፈር ጋዜጠኝነትን መራኸቢ ሓፋሽን ምዕባይ፣ ፍልጠት፣ ክእለትን ስነ ምግባራዊ ደረጃን ምምሕያሽ ካብቶም ዝተመስረተሎም ቀንዲ ዕላማታት እዮም።

ነቲ ዘፈር ብመፅናዕትን ስልጠናን ከምኡ’ውን ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ሚድያ ዘማዕብሉ ስልጠናታት ተበፃሒ ንምግባር ከምዝሰርሕ ተሓቢሩ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራኢ

ብቅድስት ተስፋዬ

Comments (0)
Add Comment