ኣምባሳደራትን ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ተሃድሶ ነበር ተዋጋእቲ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ተወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከብ ነበር ተዋጋእቲ ማእኸል ስልጠና ተሃድሶን ዳግማይ ምጥያሽን ዑደት ኣካይዶም።

ኣብቲ ዑደት ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ተሃድሶ ተመስገን ጥላሁን፣ ምክትል ኮሚሽነር ተሃድሶ ተስፋኣለም ይሕደጎን ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።

ኣብቲ ክልል ቅድሚ ሕዚ ናይ ምሕዋይን ዳግማይ ምጥያስን ስልጠና ክወሃበሉ ዝፀንሐ ማእኸል ተሃድሶ መቐለ ነበር ተዋጋእቲ ተቐቢሉ እናተኣናገደ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ኣብዚ እዋን 5 ሽሕን 500ን ነበር ተዋጋእቲ ኣብተን ማእኸላት ስልጠና ተሃድሶ እናወሰዱ ይርከቡ።

ከምኡ እውን ኣብቲ ማእኸል ዝካየዱ ዘለዉ ንጥፈታትን ከይዲ ዲዲኣር ስምምዕ፣ ምዝገባ፣ ሞያዊ ስልጠና ክእለት፣ ደገፍ ምሃብ፣ ርኽክብ ኣፅዋር፣ ምኽፋት ኣካውንት ባንኪን ከምኡ እውን ናብ ንቡር ናብራ ንምምላስን ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ስልጠና ተሃድሶ ንነበር ተዋጋእቲ ናብ ሕብረተሰብ ብምፅንባር ስሩዕ ህይወቶም ክመርሑ ካብ ምኽኣል ብተወሳኺ ኣብ ህንፀት ዘላቒ ሃገራዊ ሰላም ኣወንታዊ ኣበርክቶ እናገበረ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዩህዝቢ #ዓብዩራኢ

ብኤሊያስ ሚካኤል

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment